Hymns
/ Hymns

ሽምኪ ጸዊዐ


ሽምኪ ጸዊዐ መዓስ ሓፊረ
ማርያም ኢለ ኣበይ ወዲቐ
ሽምኪ እዩ’ሞ ስንቂ ኮይኑኒ
እንሆ ምስጋና ተቐበልኒ

ጸላኢ መጺኡ ኪቃወመኒ
ንብዙሕ ዘመን ከሸግረኒ
ሰይጣን ማሪኹ ከሳቕየኒ
ወላዲት አምላኽ ኣደ ኣላትኒ
ናይ ለውሃት ኣደ ናይ ፍቕሪ ኣርኣያ

ናይ ድኹም ዘራይ ድንግል ንሳያ
ሓጥእ ኢኻ ኢላ ኣይትንዕቀንን

ንዓዓ ሒዘስ ገለ ኣይከውንን

ሽምኪ ጸዊዐ መዓስ ሓፊረ
ማርያም ኢለ ኣበይ ወዲቐ
ሽምኪ እዩ’ሞ ስንቂ ኮይኑኒ
እንሆ ምስጋና ተቐበልኒ

መርዓ ምስ ኮነ ሰብ ምስ መለአ
ዝቕረብ ሽሻይ ምስ ተወደአ
እንታይ ክቕርብ ኢሉ ክሽገር
ንዓኣ ሒዙ ግና ኣይሓፈረን
ጎይታ ሰሚዑ ንልማኖኺ
ባህ እናበሎ ብርህራሄኺ
ነቲ ጽሩይ ማይ ብተኣምራት
ወይኒ ገበሮ ብከሃልነት

ሽምኪ ጸዊዐ መዓስ ሓፊረ
ማርያም ኢለ ኣበይ ወዲቐ
ሽምኪ እዩ’ሞ ስንቂ ኮይኑኒ
እንሆ ምስጋና ተቐበልኒ

በዓልቲ ግርማ ድንግል ኣደ ጎይታ
ምኽንያት ምድሓን ናይ አዳም ተስፋ
ስምኪ ከጽወዕ ግዜ ሓዘነይ
ምሳይ ልገቢ እምባ ጽዮን ጸግዐይ
መታን ከይጠፍእ ዘኽታም ከይከውን
እግዚኣብሔር ስቕ ኣይበለንን
ኣምላኽ ይመስገን ዕድል ኣሎኒ
ወላዲት ኣምላኽ ኣደ ኣላትኒ

ሽምኪ ጸዊዐ መዓስ ሓፊረ
ማርያም ኢለ ኣበይ ወዲቐ
ሽምኪ እዩ’ሞ ስንቂ ኮይኑኒ
እንሆ ምስጋና ተቐበልኒ

ናይ ምስጋና መስዋእት


ናይ ምስጋና መስዋእት ማህሌት ውዳሴ
ይግባእ ንኽብሩ ንቅድስት ሥላሴ (2)

ንሰብ ዝፈጠረ ብኣምሳሉ ገይሩ
ስጋ ዘዳለወ የዕጽምቲ ሰኺዑ
ንዝፈጠረና ብኻሃልነቱ
ክንዝምረሉ ኢና ስለ ጐይትነቱ(2)

ናይ ምስጋና መስዋእት ማህሌት ውዳሴ
ይግባእ ንኽብሩ ንቅድስት ሥላሴ (2)

ንሰማይ ዝሰርሐ ብዓቢ ጥበቡ
ምድሪ ዝዘርግሐ ብቅዱስ ሓሳቡ
ክምለኽ ይነብር ንሱ ብፍጥረቱ
ሰላም ዝመልኣ’ዩ ዘልኣለም መንግስቱ(2)

ናይ ምስጋና መስዋእት ማህሌት ውዳሴ
ይግባእ ንኽብሩ ንቅድስት ሥላሴ (2)

የዒንቲ ኪሩቤል ዝመልኣ መንበሩ
መና ሒዞም ኣለው ሱራፌል ንኽብሩ
ቤቱ እንክዕጠን መፍርሂ ሕልፍኝኡ
መላእኽቲ ዘመሩ ቅኔ እናቓነዩ(2)

ናይ ምስጋና መስዋእት ማህሌት ውዳሴ
ይግባእ ንኽብሩ ንቅድስት ሥላሴ (2)

ሓዊ ኣደራሹ ማይ እዩ ጠፈሩ
ምድሪ መርገጽ እግሩ ሰማይ’ዩ መንበሩ
ክቅደስ ይነብር ብሰማይ መንበሩ
ውዳሴን ዝማሬን ይግባእ ንኽብሩ (2)

ናይ ምስጋና መስዋእት ማህሌት ውዳሴ
ይግባእ ንኽብሩ ንቅድስት ሥላሴ (2)

Holy Trinity Eritrean Orthodox Church in Cincinnati, Ohio
ቅድስት ሥላሴ ኦርቶዶክስ ተዋኅዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣብ ሲንሲናቲ ኦሃዮ