ናይ ንግሆ ጸሎት
/ Prayer Book of the Hours / Tigrinya (ትግርኛ) / ናይ ንግሆ ጸሎት
ናይ ንግሆ ጸሎት

 

 

መእተዊ ነፍሲ ወከፍ ጸሎት ሰዓታት 

ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ፡ ኣሜን። 

ኦ ጎይታ መሓረና፡ ኦ ጎይታ መሓረና፡ ኦ ጎይታ ባርኸና፡ ኣሜን። 

ክብሪ ንኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ሎምን ኵሉ ሳዕን ንዘለዓለምን ኣሜን። 

 

ነአኵተከ እግዚኦ (ነመስግነካ ጎይታ) 

ኦ ጎይታ፡ ነመስግነካን ነኽብረካን ኣሎና። ኦ ጎይታ፡ ኣሚንና ንግዝኣካ ኣሎና። ንቅዱስ ስምካ ንግዛእ ኣሎና። ኵሉ ብርኪ ዝሰግደልካ፤ ኵሉ ልሳን ዝግዝኣልካ ጎይታ ንሰግደልካ ኣሎና። ናይ ኣማልኽቲ ኣምላኽ፤ ናይ ጎይቶት ጎይታ፤ ናይ ነገሥታት ንጉሥ ንስኻ ኢኻ። ክቡር ምስጉን ወድኻ፡ ንስኻትኩምሲ ክትጽልዩ ከሎኹም ከምዚ በሉ እናበለ ከም ዝመሃረና ከምዚ ኢልና ክንጽውዓካ ብቑዓት ግበረና። 

 

ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና… 

ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና ስምካ ይቀደስ፡ መንግሥትኻ ትምጻእ፡ ፍቓድካ ከምቲ ኣብ ሰማያት ከምኡውን ኣብ ምድሪ ይኹን። ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና። ንሕና ንዝበደሉና በደሎም ከምዝኃደግናሎም በደልና ኅደገልና። ካብ ክፉእ ኣድኅነና እምበር ኣብ ፈተና ኣይተእትወና፡ መንግሥትን ኃይልን ክብርን ንዘለዓለም ናትካ እዩ እሞ ኣሜን። 

 

በሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ… 

ኦ እግዝእትየ ማርያም ብናይ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ሰላምታ ሰላም እብለኪ። ብሕሊናኺ ድንግል ኢኺ፣ ብሥጋኺ’ውን ድንግል ኢኺ። ኣደ እግዚኣብሔር ፀባኦት (ጎይታ ሠራዊት) ሰላም እብለኪ ኣሎኹ። ንስኺ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፣ ፍረ ከርሥኽ’ውን ብሩኽ እዩ። ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚኣብሔር ምሳኺ እዩ፣ ኦ ፍሥሕቲ ደስ ይበልኪ፣ኃጢኣትና ኪሠርየልና ናብ ፍቁር ወድኺ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ምሕረት ለምንልና። 

 

ናይ ምስጋና ጸሎት 

ሠናይ ነገር ንዝገበረልና ይቕረ በሃሊ እግዚኣብሔር፡ ኣቦኡ ንጎይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነመስግኖ ኣሎና። ሰቲሩናን ረዲኡናን እዩ፤ ሓሊዉናን ዓቕሪቡናን ተቐቢሉናን እዩ።ተማዕቍቡናን ኣጽኒዑናን፣ ራኅሪኁልናን ደጊፉናን ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣ’ውን ኣብጺሑና እዩ እሞ ነመስግኖ ኣሎና። ሕጂውን በዛ ቅድስቲ ዕለት እዚኣን ብኹሉ ዘመን ሕይወትናን ብፍጹም ሰላም ኪሕልወና ኵሉ ንዚኅዝ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ንለምኖ። 

ኦ ጎይታና እግዚኣብሔር፣ ኵሉ እትኅዝ ኣቦኡ ንጎይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ልዕሊ ኵሉ ኩነታትን፣ ምእንቲ ኵሉ ኩነታትን፣ ኣብ ውሽጢ ኵሉ ኩነታትን ነመስግነካ አሎና። ስለ ዝሰተርካናን ዝረዳእካናን ዝሓሎኻናን፣ ናባኻ’ውን ስለ ዘቕረብካናን ዝተቐበልካናን፣ ስለ ዘዕቆብካናን ዝራኅራኅካልናን ዝደገፍካናን፣ ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣ’ውን ስለ ዘብጻሕካናን ነመስግነካ ኣሎና። 

ኦ መፍቀር-ሰብ፣ ነዛ ቅድስቲ ዕለት እዚኣን፣ ኵሉ ዘመን ህይወትናን፣ ንዓኻ ብምፍራህ ብፍጹም ሰላም ክንፍጽሞ ካብቲ ሠናያትካ ንኽትህበና ንሓትትን ንልምንን ኣሎና። ኵሉ ቅንኣትን፣ ኵሉ ፈተናን፣ ኵሉ ግብር-ሰይጣንን፣ ምኽሪ ክፉኣት ሰባትን፣ ኅቡእን ግሁድን ዝኾነ ምልዓል ጸላእን፣ ኦ ጎይታ ካባይ ኣርሕቕ፤ ካብ ኵሉ ህዝብኻ’ውን ኣርሕቕ፤ ካብዚ ቅዱስ ቦታኻ እዚ’ውን ኣርሕቕ። 

ኵሉ ሠናያትን ዘድሊ ነገርን ዓድለና። ምኽንያቱ ንስኻ ኢኻ ተመንን ዕንቅርቢትን ኵሉ ኃይሊ ጸላእን ክንረግጽ ሥልጣን ዝሃብካና። ካብ ኵሉ ክፉእ ኣድኅነናን ባልኃናን እምበር፡ ናብ ፈተና ኣይተእትወና። በቲ ሓደ ወድኻን ጎይታናን ኣምላኽናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ምእንቲ ፍቕሪ ሰብ ኢሉ ብዝገበሮ ጸጋን ምሕረትን ይቕሬታን፣ ምሳኻ ማዕረ ምስ ዝኾነ ወሃቢ ሕይወት መንፈስ ቅዱስን፣ ክብርን ግርማን ውዳሴን ኣምልኾን ብኅብረት ምስኡ ናትካ እዩ። ሎምን ኵሉ ሳዕን ንዘለዓለም ዓለም አሜን። 

 

ናይ ንስሓ መዝሙር 51 

ኦ ኣምላኽ ከምቲ ዓቢይ ምሕረትካ ምሓረኒ፤ ከም ብዝሒ ርኅራኄኻ ኣበሳይ ደምስስ። ካብ ኣበሳይ ኣጸቢቕካ ሕጸበኒ፡ ካብ ሓጢኣተይ’ውን ኣንጽሓኒ። ኣነ ኣበሳይ ስለዝፈልጦ፡ ኃጢኣተይ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ እዩ። ንዓኻ ንበይንኻ ጥራይ በደልኩ፡ ኣብ ቅድሜኻውን እከይ ገበርኩ።ብቃላትካ ቅኑዕ ክትከውን፡ እንተ ፈረድካውን ክትመልኽ። እነሆ ብእከይ ተጠነስኩ፡ እኖይ ከኣ ብኃጢኣት ወለደትኒ። ንስኻ ኸኣ ንዝጋረድካዮን፡ ንስውር-ጥበብካን፡ ስለ ዝገለጽካለይ ንሓቂ ፈተኻ። ብስምዕዛ ትነጽገኒ እሞ እነጽህ፡ ትሓጽበኒ እሞ ካብ በረድ እጽዕዱ። ባህታን ሓጎስን ተስምዓኒ እሞ፡ እተን ዳርቁማት ኣዕጽምተይ ይሕጎሳ። ንገጽካ ካብ ኃጢኣተይ ኸውሎ። ንብዘሎ አበሳይ’ውን ደምስሶ። ኦ አምላኽ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ፣ ቅኑዕ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሓድስ። 

ካብ ቅድሚ ገጽካ ኣይትደርብየኒ፣ ቅዱስ መንፈስካ’ውን ኣይተግድፈኒ። ሓጎስ ምድኃንካ ሃበኒ፣ ብዝመርሓኒ መንፈስ’ውን ደግፈኒ፤ ሽዑ መገድኻ ንበደለኛታት ክምህሮምን እየ፣ እቶም ኃጥኣን ከኣ ናባኻ ክምለሱ እዮም። 

ኦ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ምድኃነይ፣ ካብ ዕዳ ደም ኣናግፈኒ፣ ልሳነይ’ውን ብጽድቅኻ ኽትሕጎስ እያ። ኦ ጎይታየ ኣፈይ ምስጋናኻ ኪነግርሲ፣ ከናፍረይ ክፈት። መሥዋእቲ ባህ ኣየብለካን እዩ፤ ንመሥዋእቲ ምሕራር’ውን ኣይትብህጎን ኢኻ። እትብህጎ እንተትኸውን ግና መቕረብኩልካ ነይረ። መሥዋእቲ እግዚኣብሔር ትሑት መንፈስ እዩ። ኣምላኽ ንትሑትን ለዋህን ልቢ ኣይንዕቆን እዩ። ኦ ጎይታ ንጽዮን ብሓጎስካ ሠናይ ግበረላ፤ መካበብያ ኢየሩሳሌም ይነደቓ። ሽዑ ብመሥዋእቲ ጽድቂ፣ ብዝሓርር መሥዋእትን ቁርባንን ባህ ኪብለካ እዩ፤ ኣብ መሠውኢኻ’ውን ኣራሑ ከቕርቡልካ እዮም። ሃሌ ሉያ። 

 

ጸሎተ ነግህ  

(ሰዓት 12፡00 ብግእዝ (6፡00) ናይ ንግሆ) 
 
(እዛ ሰዓት እዚኣ፥ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ዝተንሥኣላ ብምዃና ንዝክራ። ካብ ድቃስና ምስ እንትንሥእ፥ ጎይታ ነዛ ሓድሽ መዓልቲ እዚኣ ስለዝሃበናን ስለ ትንሣኤኡን እነመስግነላን ጸሎት እያ።) 

 

ንዑ ንስገድ፣ ንዑ ንሕተት ንክርስቶስ ኣምላኽና፤ 

ንዑ ንስገድ፣ ንዑ ንለምን ንክርስቶስ ኣምላኽና፤ 

ንዑ ንስገድ፣ ንዑ ንማህለል ናብ ክርስቶስ መድኃኒና። 

ኦ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ቃል እግዚኣብሔር ኣምላኽና፣ ብኣማላድነት ቅድስት ድንግል ማርያምን ኵሎም ቅዱሳንካን፣ ሠናይ ምጅማር ክንጅምር ፍቐደልና። ከም ፍቓድካ ክሳዕ ዘለዓለም መሓረና። 

ኦ ጎይታ፣ ለይቲ ብደኀን ኃሊፋ እያ እሞ፣ ነመስግነካ ኣሎና። ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ኸኣ፣ ብዘይ ኃጢኣት ክትሕልወናን ክትረድኣናን ንልምነካ ኣሎና። 

 

መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን 4፡1-15 

ደጊም ኣነ እሡር ኣብ ጎይታ፣ ከምቲ እተጸዋዕኩምሉ ጽውዓ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ እልምነኩም ኣሎኹ። ብኹሉ ትሕትና-ልብን፣ ለውሃትን፣ ብትዕግስትን፣ ኣብ ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ እናተጻወርኩም፣ ከምቲ ብሓንቲ ተስፋ፣ ብሓደ ጎይታ፣ ብሓንቲ እምነት፣ ብሓንቲ ጥምቀት እተጸዋዕኩም ፣ ምእንቲ ሓደ ሥጋን ሓደ መንፈስን ክትኮኑ። ነቲ ኅብረት መንፈስ በቲ ፍጹም ሠናይ መእሠር ጌርኩም ክትሕልዉዎ ተቐዳደሙ።

 

ካብ እምነት ቤተ ክርስትያን 

እቲ ኣብ ኵሉ ዝኾነ ኣምላኽ ሓደ እዩ። እቲ ሰብ ዝኾነን ዝሞተን፣ ካብ መንጎ ምዉታት’ውን ኣብ ሣልሰይቲ መዓልቲ ዝተንሥአን፡ ምስኡ’ውን ዘተንሥኣና ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ቃል ኣምላኽ ሓደ እዩ። እቲ መጸናንዒን ንዅሉ ፍጡር ዘንጽሕን፣ ምስ ኣቦን ወድን ብመለኮት ሓደ ዝኾነ፣ ካብ ኣብ ዝሠረፀ መንፈስ ቅዱስ ሓደ እዩ። ነቲ ንሱ ክንሰግደሉ ዝምሃረና፣ ብመለኮቱን ባህርዩን ብፍቓዱን ሓደ ዝኾነ ሥሉስ ቅዱስ፣ ንዘለዓለም ንሰግደሉን ንባርኾን ኣሎና። ኣሜን። 

 

ኣብዛ ብርኽቲ መዓልቲ እዚኣ፣ ንክርስቶስ ንጉሠይን ኣምላኸይን ናይ ንግሆ ጸሎት አቕርበሉ፤ ኃጢኣተይ ኪኃድገለይ’ውን እልምኖ። 

ካብ መዝሙር ዳዊት፡ ኣቦና፡ ነብይን ንጉሥን፡ በረኸቱ ምስ ኩላትና ይኹን፡ ኣሜን።  

 

1ይ መዝሙር 

ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ፣ ኣብ መገዲ ኃጥኣን ከኣ ዘይቀውም፣ ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥ፣ ብሕጊ እግዝኣብሔር ደኣ ዚፍሳህ፣ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን ዚመራምሮ ሰብሲ ብፁዕ እዩ። ንሱ ኸምታ ፍሬአ በብጊዜኣ እትህብ፣ ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፣ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ። እቶም ረሲኣን ከምቲ ንፋስ ዚብትኖ ብቚብቚ እዮም እምበር፣ ከምዚ ኣይኰኑን። ንመገዲ ጻድቃንሲ እግዚኣብሔር ይፈልጣ እዩ፣ መገዲ ረሲኣን ግና ኽትጠፍእ እያ እሞ፣ ስለዚ ረሲኣን ኣብ ፍርዲ፣ ኃጥኣንውን ኣብ ማኅበር ጻድቃን ኣይኪቘሙን እዮም። ሃሌ ሉያ። 

2ይ መዝሙር 

ስለምንታይ እዮም ኣሕዛብ ጫውጫው ዚብሉ፣ ሕዝብታትሲ ከንቱ ዚሓስቡ፧ ነገሥታት ምድሪ ይትንሥኡ፣ መሳፍንቲ ኸኣ ኃቢሮም፣ ንመቓውሖም ንስበሮ፣ ንማእሰሪኦምውን ካባና ንደርብዮ፣ ኢሎም ኣብ እግዚኣብሔርን ኣብ መሲሑን ይመኽሩ። እቲ ኣብ ሰማይ ዚነብር ይስሕቆም፣ ጐይታ የላግጸሎም። ሽዑ ብዅራኡ ይዛረቦም፣ ብነድሩ ኸኣ የፈራርሆም፣ ኣነ ኣብ ጽዮን ኣብ ቅዱስ ከረነይ ንጉሠይ ሸምኩ፣ ይብል። እቲ ምዱብ ምኽሪ እነግር ኣሎኹ፣ እግዚኣብሔር በለኒ፣ ንስኻ ወደይ ኢኻ፣ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ። ኣሕዛብ ንርስትኻ፣ ወሰናት ምድሪ ኸኣ ንጥሪትካ ኽህበካስ፣ ለምነኒ። ብበትሪ ሓጺን ክትቅጥቅጦም፣ ከም ኣቕሓ ሠራሕ መሬት ከኣ ክትሰባብሮም ኢኻ። እምበኣርሲ ኣቱም ነገሥታት፣ ለብሙ፣ ኣቱም ፈራዶ ምድሪውን፣ተኣረሙ። ንእግዚኣብሔር ብፍርሃት ኣገልግልዎ፣ ብረዓድ ከኣ ተሓጎሱ። ኵራኡ ቐልጢፉ ይነድድ እዩ እሞ፣ ከይዅሪ፣ ኣብ መገዲ ኸሎኹም ድማ ከይትጠፍኡስ፣ ንወዱ ስምዕዎ። ኣብኡ ዚምዕቈቡ ዘበሉ ዅሎም ብፁዓን እዮም። ሃሌ ሉያ። 

3ይ መዝሙር 

ኦ እግዚኣብሔር፣ ጠቓዕተይሲ ኽንደይ ኰን ይበዝኁ፣ ኣባይ ዚለዐሉ ብዙኃት እዮም። 

ብዛዕባ ነፍሰይ ብዙኃት፣ ኣብ ኣምላኽሲ ምድኃን የብሉን፣ ይብሉ ኣለዉ። ኦ እግዚኣብሔር፣ ንስኻ ግና ኣብ ዙርያይ ዋልታ ኢኻ፣ ክብረይን ንርእሰይ ልዕል እተብላን ንስኻ ኢኻ። ብድምጸይ ናብ እግዚኣብሔር ኤእዊ ኣሎኹ። ካብ ቅዱስ ከረኑ ኸኣ ይመልሰለይ። ተገምሰስኩ ደቀስኩውን፣ እግዚኣብሔር ይድግፈኒ ኣሎ እሞ ነቓሕኩ። ነቶም ዚኸቡኒ ኣእላፋት ኣህዛብ ኣይፈርሆምን እየ። ንምንጋጋ ዅሎም ጸላእተይ ወቒዕካዮ፣ ነስናን ረሲኣን ሰባቢርካዮ ኢኻ እሞ፣ ዎ እግዚኣብሔር፣ ተንሥእ፣ ዎ ኣምላኸይ፣ ኣድኅነኒ። ምድኃን ናይ እግዚኣብሔር እዩ፣ በረኸትካ ኣብ ሕዝብኻ ይኹን። ሃሌ ሉያ። 

4ይ መዝሙር 

ኦ ኣምላኽ ጽድቀይ፣ ከእዊ ኸሎኹ፣ ምለሰለይ፣ ብጸበባ ኣርሒብካለይ ኢኻ፣ ደንግጸለይ እሞ ጸሎተይ ስማዕ። ኣቱም ደቂ ሰብ፣ ክብረይስ ኰን ክሳዕ መኣስ እዩ ዚሓስር፧ ክሳዕ መኣስከ ንኸንቱነት ትፈትዉ፣ ሓሶትውን ትደልዩ፧ እግዚኣብሔር ግና ነቲ ደጊ ኸም ዝሓረዮ፣ ፍለጡ። እግዚኣብሔር፣ ናብኡ እንተ ጠራዕኩ፣ ይሰምዕ እዩ። ኰርዩ እሞ ኣይትኣብሱ፣ ኣብ መደቀሲኹም ልብኹም መርምሩን ስቕ በሉን። መስዋእቲ ጽድቂ ሰውኡ፣ ኣብ እግዚኣብሔር ድማ ተወከሉ። ብዙኃት፣ ንሠናይ መን እዩ ዜርእየና፣ ይብሉ ኣለዉ። ዎ እግዚኣብሔር፣ ብርሃን ገጽካ ኣብርሃልና። ካብቲ እቶም እኽሎምን ወይኖምን ምስ በዝኀ ዚሕጐስዎ ኣብሊጽካ ኣብ ልበይ ሓጐስ ኣንበርካ። ዎ እግዚኣብሔር፣ ንስኻ በይንኻ ኢኻ ብደኃን እተኅድረኒ እሞ፣ ብሰላም እግምሰስን እድቅስን ኣሎኹ። ሃሌ ሉያ 

5ይ መዝመር 

ኦ እግዚኣብሔር፣ ንቓላተይ ጽን በሎ፣ ንሓሳባተይ ኣስተውዕሎ። ናባኻ እጽሊ ኣሎኹ እሞ፣ ዎ ንጉሠይን ኣምላኸይን፣ ንድምጺ ጥርዓነይ ኣድህበሉ። ዎ እግዚኣብሔር፣ ኣንጊህካ ንድምጸይ ትሰምዖ ኢኻ፣ ኣንጊሄ ልበይ ናባኻ ኣቕኒዔ አማዕዱ ኣሎኹ። ብረሲእነት ባህ እትብል ኣምላኽ ኣይኰንካን እሞ፣ እኩይ ምሳኻ ኣይኃድርን። ትዕቢተኛታት ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኣይቈሙን፣ ንገበርቲ እከይ ዘበሉ ትጸልኦም። ሓሶት ንዚዛረቡ ተጥፍኦም። እግዚኣብሔር ንደመኛን ንጠባርን ይፍንፍኖም እዩ። አነ ግና ብብዝኂ ሳህልኻ ናብ ቤትካ ኽአቱ፣ ብፍርሃትካ ናብ ቅድስቲ መቕደስካ ኣቢለ ኽሰግድ እየ። ዎ እግዚኣብሔር፣ ብምኽንያት ተጻናጸንተይ ብጽድቅኻ ምርሓኒ፣ ንመገድኻ ኣብ ቅድመይ መድምዳ። ኣብ ኣፎም ቁም ነገር የልቦን እሞ፣ ውሽጦም ጥፍኣት፣ ጐረርኦም ክፉት መቓብር እዩ፣ ብመልሓሶም የቀባጥሩ። ዎ ኣምላኽ፣ ኰንኖም፣ ኣብ ምኽሮም ይውደቑ። ካባኻ ዓልዮም እዮም እሞ፣ ብብዝኂ ኣበሳኦም ኣባርሮም። ኣባኻ ዚዕቈቡ ዅሎም ግና ይተሓጎሱ፣ ንስኻ አጽሊልካዮም ኢኻ እሞ፣ ንዘለዓለም ዕልል ይብሉ፣ ንስምካ ዜፍቅርዎ ድማ ብኣኻ ይፈስሁ። ንጻድቕ ትባርኾ ኢኻ እሞ፣ ዎ እግዚኣብሔር፣ ከም ብዋልታ ብጸጋ ትኸቦ። ሃሌ ሉያ 

6ይ መዝመር 

እግዚኣብሔር፣ ብዅራኻ ኣይትግንሓኒ፣ ብሓርቖትካ ድማ ኣይትቕጽዓኒ። ኦ እግዚኣብሔር፣ ማህሚነ እየ እሞ፣ መሓረኒ። ኦ እግዚኣብሔር፣ ኣዕጽምተይ ተሸቢረን እየን እሞ፣ ኣጥዕየኒ። ነፍሰይውን ኣዝያ ተሸቢራ፣ ንስኻኸ፣ ኦ እግዚኣብሔር ክሳዕ መኣስ፧ ኦ እግዚኣብሔር፣ ተመለስ፣ ንነፍሰይ ኣናግፋ፣ ምእንቲ ምሕረትካ ኣድኅነኒ። ኣብ ሞት ዚዝክረካ የልቦን እሞ፣ ኣብ ሲኦልከ መን እዩ ዜመስግነካ፧ ኣነ ብእህህታ ሰልክየ፣ ለይተ ለይቲ ንመደቀስየይ ኤርሕሶ፣ ንመንጸፈይ ብንብዓተይ ኤጠልቅዮ ኣሎኹ። ዓይነይ ብሓዘን ተባላሸወት፣ ብሰሪ ዅላቶም ተጻረርተይ ትአርግ ኣላ። እግዚኣብሔር ንድምጺ ብኽያተይ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፣ ኣቱም ገበርቲ እከይ ኵላትኩም፣ ካባይ ረሓቑ። እግዚኣብሔር ንምህለላይ ሰሚዕዎ፣ እግዚኣብሔር ንጸሎተይ ኪቕበሎ እዩ። ኵላቶም ጸላእተይ ኪሓፍሩ፣ እምብዛ ኺሽበሩ፣ ንድሕሪት ኪምለሱ፣ ብድንገት ኪሓፍሩ እዮም። ሃሌ ሉያ 

8ይ መዝሙር 

ኦ እግዚኣብሔር፣ ጐይታና፣ ኣታ ንግርማኻ ኣብ ሰማያት ዝተኸልካዮ፣ ስምካስ ኰን ኣብ ኵላ ምድሪ ኽንደይ ግሩም እዩ። ምእንቲ ተቓወምትኻ ነቲ ጸላእን ፈዳይ ሕነን ስቕ ከተብሎ፣ ካብ ኣፍ ቈልዑን ዚጠብውን ኃይሊ ኣዳሎኻ። ንሰማያትካ፣ ነቲ ሥራሕ ኣጻብዕካ፣ ንስኻ ዘቘምካዮም፣ ወርሕን ከዋኽብትን እንተ ጠመትኩ፣ እቲ ንስኻ እትዝክሮ ሰብ፣ እቲ እትሓልየሉ ወዲ ሰብሲ እንታይ እዩ፧ ካብ መላእኽቲ ቕሩብ ኣንኣስካዮ፣ ብኽብርን ጌጽን ከኣ ኸለልካዮ። ኣብ ልዕሊ ግብሪ ኣእዳውካ ሸምካዮ፣ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ጌርካዮ፣ ንብዘለዋ ዅላተን ኣባጊዕን ኣሓን፣ ንእንስሳታት በረኻ’ውን ነዕዋፍ ሰማይን ንዓሳታት ባሕርን ነቲ ብመገድታት ባሕሪ ዚኃልፍ ዘበለን። ዎ እግዚኣብሔር ጐይታና፣ ስምካስ ኰን ኣብ ኵላ ምድሪ ኽንደይ ግሩም እዩ። ሃሌ ሉያ 

መበል 11 (12) መዝሙር 

ኦ እግዚኣብሔር፣ ደጊ ሰብ ተሳኢኑ፣ ካብ ማእከል ደቂ ሰብውን እሙናት ጠፊኦም እዮም እሞ፣ ኣድኅን። ነፍሲ ወከፎም ምስ ብጻዩ ሓሶት ይዛረብ፣ ብዜቃባጥር ከንፈርን ብኽልተ ልብን ይዛረቡ ኣለዉ። እግዚኣብሔር ንዅላተን መቃባጠርቲ ኸናፍርን ነታ ዕቡይ ነገር እትዛረብ መልሓስን፣ ነቶም፣ ሳላ መልሓስና ንብርትዕ ኣሎና፣ ከናፍርና ናትና እየን፣ መን እዩኸ ጐይታና፧ ዚብሉን ኪምንቊሶም እዩ። ስለ ምግፋዕ ጥቑዓትን ስለ ልቕሶ መሳኪንን ሕጂ ኽትንሥእ፣ ነቲ ዚናፍቖውን ምድኃን ከምጽአሉ እየ፣ ይብል እግዚኣብሔር። ቃላት እግዚኣብሔር ጽሩይ ቃላት እዩ፣ ብመምከኽ መርየት ዝጸረየ፣ ሾብዓተ ሳዕ እተዀልዐ ብሩር እዩ። ዎ እግዚኣብሔር፣ ክትሕልዎም፣ ካብዚ ወለዶ እዝስ ንዘለዓለም ክትዕቅቦም ኢኻ። ብልሽውነት ኣብ ማእከል ደቂ ሰብ ልዕል እንተ በለ፣ ረሲኣን ኣብ ኵሉ ወገን ይዞሩ። ሃሌ ሉያ 

መበል 13 መዝሙር 

ኦ እግዚኣብሔር፣ ክሳዕ መኣስ ኢኻ ፈጺምካ እትርስዓኒ፧ ክሳዕ መኣስከ ኢኻ ገጽካ ትኽውለለይ፧ ክሳዕ መኣስ ብነፍሰይ ክጭነቕ፧ ዕለተ ዕለትሲ ብልበይ ክሓዝን እየ፧ ጸላእየይከ ኽሳዕ መኣስ እዩ ዚዕብልለኒ፧ ኦ እግዚኣብሔር ኣምላኸይ፣ ጠምት እሞ ምለሰለይ። ኣነ ድቃስ ሞት ከይድቅስ፣ ጸላእየይ፣ ስዒረዮ፣ ከይብል፣ እንተ ተናወጽኩ፣ ተጻረርተይ ከይፍስሁስ፣ ነዒንተይ ኣብርሃየን። ኣነ ግና ብምሕረትካ እውከል ኣሎኹ፣ ልበይ ብምድኃንካ ይሕጐስ ኣሎ። እግዚኣብሔር ሠናይ ገይሩለይ እዩ እሞ፣ ምስጋናኡ ኽዝምር እየ። ሃሌ ሉያ 

መበል 15 መዝሙር 

ኦ እግዚኣብሔር፣ ኣብ ድንኳንካ ዚኃድር መን እዩ፧ ኣብቲ ኸረን ቅድስናኻ ዚነብርከ መን እዩ፧ እቲ ብቕንዕና ዚመላለስን ጽድቂ ዚገብርን ብልቡ ሓቂ ዚዛረብን፣ ብልሳኑ ዘይሐሚ፣ ንመሓዛኡ ገለ ኽፉእ ዘይገብሮ፣ ንብጻዩ ዘይጸርፎ፣ እቲ ጽዩፍ ንዑቕ ኰይኑ ዚረአዮ፣ ንፈራህቲ እግዚኣብሔር ግና ዜኽብሮም፣ ዚጐድኦ እኳ እንተ ዀነ፣ ነቲ ዝመሓለሉ ዘይልውጦ፣ ገንዘቡ ብሓረጣ ዘይህብ፣ ንጕድኣት ንጹህ ከኣ መማለጃ ዘይቕበል፣ እቲ ኸምዚ ዚገብርሲ ንዘለዓለም ኣይናወጽን እዩ። ሃሌ ሉያ 

መበል 16 መዝሙር 

ኦ ኣምላኽ፣ ብኣኻ እውከል ኣሎኹ እሞ፣ ሓልወኒ። ንእግዚኣብሔር፣ ንስኻ ጐይታይ ኢኻ፣ ብዘይ ንስኻስ ሠናይ የብለይን፣ ኢለዮ። ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቅዱሳን፣ ንሳቶም ክቡራን እዮም፣ ባህገይ ኵሉ ኣባታቶም እዩ ዘሎ፣ በልኩ። ጻዕሪ እቶም ናብ ካልኦት ዚጐዩ ኪበዝኅ እዩ። ናይ ደም መስዋእቲ መስቲኦም ኣይክስውእን፣ ንስሞም ከኣ ብኸናፍረይ ኣይከውስእን እየ። እግዚኣብሔርሲ ኽፍሊ ርስተይን ጽዋአይን እዩ፣ ነቲ ብዕጻ ዝበጽሓኒ እተጽንዖ ንስኻ ኢኻ። ኣብ ባህ ዜብል ቦታ ዕጻ በጺሑኒ፣ ኤረ ጽቡቕ ርስቲ መጺኡኒ። ነቲ ዚምዕደኒ እግዚኣብሔር እባርኾ አሎኹ፣ ብለይቲ እኳ ኰላሊተይ ይምህራኒ እየን። ንእግዚኣብሔር ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ ገይረዮ፣ ብየማነይ ስለ ዝዀነ፣ ኣይክናወጽን እየ። ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሓድጋን፣ ቅዱስካውን ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትፈቅድን ኢኻ እሞ፣ ስለዚ ልበይ ይሕጐስ፣ ክብረይ ዕልል ይብል፣ ሥጋይውን ኣብ ጽኑዕ ኪኃድር እዩ። ንመገዲ ሕይወት ትሕብረኒ፣ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ናይ ሓጐስ ጽጋብ፣ ኣብ የማናይካውን ንዘለዓለም ብፅዕና ኣሎ። ሃሌ ሉያ 

መበል 19 መዝሙር 

ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንትዉ፣ ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ የውሪ። ሓንቲ መዓልቲ ነታ ሓንቲ ትዛንያ፣ ሓንቲ ለይቲ ድማ ነታ ሓንትስ ፍልጠት ተሕልፈላ። ዘረባ የልቦን፣ ምዝርራብ የልቦን፣ ድምጾምውን ኣይስማዕን እዩ። ነገሮም ናብ ኵላ ምድሪ፣ ቃላቶም ድማ ክሳዕ ወሰን ዓለም ይወጽእ ኣሎ፣ ንፀሓይ ከኣ ድንኳን ተኸለሎም። ንሳ ኸም መርዓዊ ኻብ ሕልፍኚ ትወጽእ፣ ከም ጅግና ኸኣ ንምጕያይ መገዲ ትሕጐስ ኣላ። ምውጻኣ ኻብ ወሰን ሰማያት እዩ፣ ምዝዋራ ድማ ክሳዕ ወሰነን እዩ፣ ካብ ረስና ዚኽወል ከኣ የልቦን። ሕጊ እግዚኣብሔር ፍጹም እዩ፣ ንነፍሲ ይመልሳ። ምስክር እግዚኣብሔር እሙን እዩ፣ ንገርሂ የጥብቦ። ሥርዓት እግዚኣብሔር ቅኑዕ እዩ፣ ንልቢ የሐጕሶ፣ ትእዛዛት እግዚኣብሔር ንጹህ እዩ፣ ንኣዕይንቲ የብርሀን። ፍርሃት እግዚኣብሔር ንጹህ እዩ፣ ንዘለዓለም ይነብር፣ ፍርድታት እግዚኣብሔር ሓቂ እዩ፣ ብዘሎውን ጻድቕ እዩ። ካብ ወርቂ፣ ኤረ ኻብ ብዙኅ ጽሩይ ወርቂ እኳ ዚሕረ እዩ፣ ካብ መዓር፣ ኤረ ኻብ መዓር ወለላ ዚጥዕም እዩ። ባርያኻውን ብእኡ ተማሂሩ፣ ብምሕላዉ ዓብዪ ኻሕሳ ኣሎ። ንጌጋታቱ ዚፈልጥ መን እዩ፧ ካብቲ እተሰወረኒ ኣንጽሃኒ። ንባርያኻ ኻብ ትዕቢት ሓልዎ፣ ኣብ ልዕለይ ከይሥልጥንውን ዕገቶ፣ ሽዑ ምሉእ ክኸውን፣ ካብ ዓብዪ ኣበሳ ኸኣ ክነጽህ እየ። ዎ እግዚኣብሔር፣ ከውሐይን መድኃኒየይን፣ ቃላት ኣፈይን ሓሳባት ልበይን ኣብ ቅድሜኻ ብሁግ ይኹን። ሃሌ ሉያ 

መበል 25 መዝሙር 

ኦ እግዚኣብሔር፣ ነፍሰይ ናባኻ ኤልዕል ኣሎኹ። ዎ ኣምላኸይ፣ ኣባኻ ተወኪለ እኔኹ። ኣይተሕፍረኒ፣ ጸላእተይ ብኣይ ባህ ኣይበሎም። ንኣኻ ዚጽበዩ ከቶ ኣይኪሓፍሩን፣ እቶም ብዘይ ምኽንያት ዚጠልሙ ግና ኪሓፍሩ እዮም። ዎ እግዚኣብሔር፣ ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ፣ መገድታትካ መሃረኒ። ንስኻ ኣምላኽ ምድኃነይ ኢኻ እሞ፣ ብሓቅኻ ምርሓንን ኣስተምህረንን። ኵሉ መዓልቲ እጽበየካ ኣሎኹ። ዎ እግዚኣብሔር፣ ምሕረትካን ሳህልኻን ካብ ዘለዓለም እየን እሞ፣ ዘክረን። ዎ እግዚኣብሔር፣ ንኃጢኣት ንእስነተይን ኣበሳይን ኣይትዘክሮ፣ ከም ለውሃትካ፣ ስለ ሳህልኻ ኢልካ ዘክረኒ። እግዚኣብሔር ሠናይን ቅኑዕን እዩ፣ ስለዚ ንኃጥኣን መገዱ ኺምህሮም እዩ። ንትሑታት ብፍርዲ ኺመርሖም፣ ንትሑታትውን መገዱ ኼስተምህሮም እዩ። ነቶም ኪዳኑን ምስክራቱን ዚሕልዉስ፣ መገድታት እግዚኣብሔር ኵላተን ሳህልን ሓቅን እየን። ዎ እግዚኣብሔር፣ በደለይ ዓብዪ እዩ እሞ፣ ስለ ስምካ ኢልካ ይቕረ በለለይ። ንእግዚኣብሔር ዚፈርሆ ሰብ መን እዩ፧ ንእኡ እታ ዚሓርያ መገዲ ኺምህሮ እዩ። ነፍሱ ብደሓን ክትነብር፣ ዘርኡውን ንምድሪ ኺወርሳ እዩ። ምሥጢር እግዚኣብሔርሲ ነቶም ዚፈርህዎ እዩ፣ ንሱውን ኪዳኑ ኼፍልጦም እዩ። ነእጋረይ ካብ መርበብ ኬውጽኤን እዩ እሞ፣ ኣዒንተይ ኵሉ ጊዜ ናብ እግዚኣብሔር እየን። ኣነ በይነይን ሽጉርን እየ እሞ፣ ናባይ ቊሊሕ በል፣ ደንግጸለይ’ውን። ጭንቀት ልበይ ዓዚዙ፣ ካብ ጸበባይ ኣውጽኣኒ። ንመከራይን ጭንቀይን ርአዮ እሞ፣ ንዅሉ ኃጢኣተይ ኅደገለይ። ጸላእተይ በዚኆም እዮም እሞ፣ ረኣዮም፣ ግፍዔኛ ጽልኢ ይጸልኡኒ ኣለዉ። ንነፍሰይ ሓልዋ ኣድኅነኒውን፣ ኣባኻ እውከል ኣሎኹ እሞ፣ ኣይተሕፍረኒ። ብኣኻ ተስፋ ገይረ ኣሎኹ እሞ፣ ንጽህናን ቅንዕናን ይሓልዋኒ። ዎ ኣምላኽ፣ ንእስራኤል ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኣናግፎ። ሃሌ ሉያ 

መበል 27 መዝሙር 

እግዚኣብሔር ብርሃነይን ምድኃነይን እዩ፣ ካብ መን ደኣ እየ ዝፈርህ፧ እግዚኣብሔር ኃይሊ ሕይወተይ እዩ፣ ካብ መንከ እየ ዝስምብድ፧ ገበርቲ እከይ ንሥጋይ ኪውሕጡ ሓደጋ ምስ ወደቑኒ፣ ወደረኛታተይን ጸላእተይን ባዕላቶም ተዛብዑ እሞ ወደቑ። ኪቃወመኒ ኢሉ እኳ ሠራዊት እንተ ዚሰፍር፣ ልበይ ኣይፈርህን እዩ፣ ኵናትውን እንተ ዚለዐለኒ፣ እምነት ኣሎኒ። ብመዓልቲ ጸበባ ኣብ ዳሱ ኺሓብኣኒ፣ ኣብ ውሻጠ ድንኳኑ ኪኽውለኒ፣ ኣብ ከውሒ ልዕል ኬብለኒ እዩ እሞ፣ እግዚኣብሔር ሓንቲ ነገር ለሚነዮ። ውቃበ እግዚኣብሔር ንምርኣይ፣ መቕደሱውን ንምምርማርሲ ምሉእ ዕድመይ ኣብ ቤት እግዚኣብሔር ክነብር ደልየ ኣሎኹ። ሎሚ ኸኣ ርእሰይ ኣብቶም ዚኸቡኒ ጸላእተይ ልዕል ኪብል እዩ፣ ኣብ ድንኳኑውን መስዋእቲ ብዕልልታ ከቕርብ፣ እግዚኣብሔር ክዝምረሉን ክውድሶን እየ። ኦ እግዚኣብሔር፣ ንድምጸይ ስምዓዮ፣ ኣባኻ እምህለል ኣሎኹ፣ መሓረኒ እሞ ምለሰለይ። ልበይ ኣብ ክንዳኻ ዀይኑ፣ ንገጸይ ድለይዎ ይብለኒ ኣሎ። ኦ እግዚኣብሔር፣ ንገጽካ እደልዮ እኔኹ። ገጽካ ኣይትሕብኣለይ፣ ንባርያኻ ብቚጥዓ ኣይትደርብዮ፣ ንስኻ ረድኤተይ ኢኻ እሞ፣ ዎ ኣምላኽ ድኅንነተይ፣ ኣይትጠንጥነኒ፣ ኣይትሕደገኒ። ኣቦይን እኖይን እኳ እንተ ዚጥንጥኑኒ፣ እግዚኣብሔርሲ ይእርንበኒ እዩ። ኦ እግዚኣብሔር፣ መገድኻ መሃረኒ፣ ብምኽንያት ጸላእተይ ኰታ በታ ቕንዕቲ መገዲ ምርሓኒ። ሐሰውቲ ምስክር ዓመጻ ዜተንፍሱን ሰባት ተላዒሎም እዮም እሞ፣ ንኣደዳ ተጻረርተይ ኣይተሕልፈኒ። ኣነ፣ ለውሃት እግዚኣብሔር ኣብ ምድሪ ሕያዋን ከም ዝርኢ እኣምን እዩ። ብእግዚኣብሔር ተተሰፎ፣ በርትዕ፣ ልብኻ ቀጥ ይበል፣ ኣጆኻ፣ እወ፣ ብእግዚኣብሔር ተስፋ ግበር። ሃሌ ሉያ 

መበል 63 መዝሙር 

ኦ ኣምላኽ፣ ንስኻ ኢኻ ኣምላኸይ፣ ኣንጊሄ እደልየካ ኣሎኹ፣ ነፍሰይ ንኣኻ ትጸምእ ኣላ፣ ሥጋይ፣ ማይ ኣብዕዜብሉ ደረቕን ጽሙእን ምድሪ ዀይኑ፣ ይናፍቐካ አሎ። ከምኡውን ሥልጣንካን ክብርኻን ምእንቲ ኽርኢ፣ ናብ መቕደስካ ኤማዕዱ ኣሎኹ። ለውሃትካ ኻብ ሕይወት ይበልጽ እዩ እሞ፣ ከናፍረይ ኪውድሳኻ እየን። ብሕይወተይ ክሳዕ ዘሎኹ ኽባርኸካ፣ ብስምካ ነእዳወይ ከልዕለን እየ። ረዲኤተይ ንስኻ ኢኻ፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣኽናፍካ እሕጐስ ኣሎኹ እሞ፣ ኣብ ምድቃሰይ ክዝክረካ፣ ብለይቲ እናነቓሕኩ ክሓስበካ ከለኹ፣ ነፍሰይ ከም ብስብሕን ኣንጕዕን ትጸግብ፣ ኣፈይውን ብኸናፍር ዕልልታ ኼመስግነካ እዩ። ነፍሰይ ኣብ ድሕሬኻ ትጠብቕ፣ የማነይቲ ኢድካውን ትድግፈኒ ኣላ። እቶም ንሕይወተይ ኬጥፍእዋ ዚደልዩ ግና ናብ መዓሙቚ ምድሪ ኺወርዱ እዮም። ንሥልጣን ሰይፊ ኺውህቡ፣ ግደ ወኻሩ ኪዀኑ እዮም። ንጉሥ ግና ብአምላኽ ኪሕጐስ፣ ኣፍ ሓሰውቲ ኺዕበስ እዩ እሞ፣ ነፍሲ ወከፍ ብእኡ ዚምሕል ዘበለ ኺሕበን እዩ። ሃሌ ሉያ 

መበል 67 መዝሙር 

ኣምላኽ ይምሓረና፣ ይባርኸና፣ ገጹ የብርሃልና። መገድኻ ኣብ ምድሪ፣ ኣብ ኵሎም ኣሕዛብውን ምድኃንካ ኺፍለጥሲ፣ ገጽካ ኣብርሃልና። ዎ ኣምላኽ፣ ኣሕዛብ የመስግኑኻ፣ ኵሎም ኣሕዛብ የመስግኑኻ። ንሕዝብታት ብቕንዕና ኽትፈርዶም፣ ንኣሕዛብውን ኣብ ምድሪ ኽትመርሖም ኢኻ እሞ፣ ሕዝብታት ይተሓጎሱን ዕልል ይበሉን። ዎ ኣምላኽ፣ ኣሕዛብ የመስግኑኻ፣ ኵሎም ኣሕዛብ የመስግኑኻ፣ ምድሪ ፍሬኣ ሂባ፣ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ኺባርኸና እዩ። ኣምላኽ ይባርኸና፣ ብዘሎ ወሰናት ምድሪ ኸኣ ይፍርሃዮ። ሃሌ ሉያ 

መበል 70 መዝሙር 

ኦ ኣምላኽ፣ ንምንጋፈይ፣ ኦ እግዚኣብሔር፣ ንምርዳአይ ቀልጥፍ። እቶም ንነፍሰይ ዚደልይዋ ይሕፈሩን ይሕነኹን፣ እቶም ሕሰም ዚትምነዩለይ ንድሕሪት ይመለሱን ይነውሩን። ኣሰይ፣ ኣሰይ፣ ዚብሉኒ ነዊሮም ንድሕሪት ይመለሱ። እቶም ዚደልዩኻ ዅሎም ብአኻ ባህ ይበሎምን ይተሓጐሱን፣ እቶም ምድኃንካ ዚፈትዉ ኸኣ ኵሉ ጊዜ፣ ኣምላኽ ልዕል ይበል፣ ይበሉ። ኣነ ግና መስኪንን ድኻን እየ፣ ኦ ኣምላኽ፣ ናባይ ፍጠን፣ ኦ እግዚኣብሔር፣ ረዳእየይን መናገፍየይን ንስኻ ኢኻ፣ ኣይትደንጒ። ሃሌ ሉያ። 

መበል 113 መዝሙር 

ሃሌሉያ። ኣቱም ባሮት እግዚኣብሔር፣ ኣመስግኑ፣ ንስም እግዚኣብሔር ኣመስግኑ። ስም እግዚኣብሔር ካብ ሕጂ ንዘለዓለም ይባረኽ። ካብ ምብራቕ ፀሓይ ክሳዕ ምዕራባ ስም እግዚኣብሔር ይመስገን። እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣሕዛብ ልዑል እዩ፣ ክብሩ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ሰማያት እዩ። ነቲ ኣብ ላዕሊ ኣብ ዝፋኑ እተቐመጠ፣ ናብ ሰማይን ናብ ምድርን ኣንቈልቊሉ ዚጥምት፣ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ዚመስል መን እዩ፧ ምስ መሳፍንቲ፣ ምስቶም መሳፍንቲ ሕዝቡ ኬቐምጦስ፣ ንመስኪን ካብ ሓመድ የተንሥኦ ንድኻውን ካብ ድዅዒ የልዕሎ። ንመኻን፣ ኣደ ቘልዑ ገይሩ፣ ኣብ ቤት ብሓጐስ የንብራ። ሃሌ ሉያ። 

መበል 143 መዝሙር 

ጐይታየ፣ ጸሎተይ ስማዕ፣ ንምህለላይ ጽን በሎ፣ ብሓቅኻን ብጽድቅኻን ምለሰለይ። 

ሕያው ዘበለ ኣብ ቅድሜኻስ ሓደ እኳ ጻድቕ የልቦን እሞ፣ ምስ ባርያኻ ኣብ ፍርዲ ኣይትእቶ። 

ጸላኢ ንነፍሰይ ይሰጓ፣ ንሕይወተይ ናብ ምድሪ ይድርብያ፣ ከምቶም ቀደም ዝሞቱ ኣብ ጸልማት የንብረኒ ኣሎ። መንፈሰይ ኣብ ውሽጠይ ይደክም፣ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ይስምብድ ኣሎ። ናይ ቀደም መዓልትታት እዝክር፣ ኵሉ ተግባርካ ኤስተንትን፣ ግብሪ ኣእዳውካ እሓስብ አሎኹ። ኣእዳወይ ናባኻ እዝርግሕ፣ ነፍሰይ ከም ደረቕ ምድሪ ትጸምኣካ ኣላ። ዎ እግዚኣብሔር፣ መንፈሰይ ደኺሙ እዩ እሞ፣ ቀልጢፍካ ምለሰለይ፣ ነቶም ኣብ ጒድጓድ ዝወረዱ ኸይመስልሲ፣ ገጽካ ኣይትኸውለለይ። ብኣኻ እውከል ኣሎኹ እሞ፣ ኣንጊህካ ሳህልኻ ኣስምዓኒ፣ ነፍሰይ ናባኻ ኤልዕል ኣሎኹ እሞ፣ እታ ዝኸዳ መገዲ ኣፍልጠኒ። ዎ እግዚኣብሔር፣ ዕቑባኻ እየ፣ ካብ ጸላእተይ ኣናግፈኒ። ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፣ ምግባር ፍቓድካ መሃረኒ፣ ሠናይ መንፈስካ ብቕኑዕ መገዲ ይምርሓኒ። ዎ እግዚኣብሔር፣ ስለ ስምካ ኢልካ ብሕይወት ኣንብረኒ፣ ብጽድቅኻ ንነፍሰይ ካብ ጸበባ ኣውጽኣያ። ኣነ ባርያኻ እየ እሞ፣ ብሳህልኻ ንጸላእተይ ኣጽንቶም፣ ነቶም ንነፍሰይ ዜጽብቡላ ዅሎም ከኣ ኣጥፍኣዮም። ሃሌ ሉያ። 

 

ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽ። እዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ካብ መምህርና ቅዱስ ዮሃንስ እዩ። በረኸቱ ምስ ኩልና ይኹን።  

 

ወንጌል ዮሓንስ 1: 1-17 

ቃል ብመጀመርታ ነበረ: እቲ ቃል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። እቲ ቃል’ውን ኣምላኽ ነበረ። እዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። ብእኡ ዅሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን። ሕይወት ኣብኡ ነበረት፡ እታ ሕይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት። ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህ፡ ጸልማት ግና ኣይሓዞን። ዮሓንስ ዝስሙ ሰብኣይ ካብ ኣምላኽ ተልኢኹ ተንሥአ። ኵሎም ብእኡ ናብ እምነት ምእንቲ ኺበጽሑ፡ ብዛዕባ ብርሃን ኪምስክር ንሱ ንምስክር መጸ። ብዛዕባ ብርሃን ደኣ ኺምስክር መጸ እምበር፡ ንሱስ ብርሃን ኣይነበረን። እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዜብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም ይመጽእ ነበረ። ኣብ ዓለም ነበረ፡ ዓለምውን ብእኡ ዀነት፡ ዓለም ግና ኣይፈለጠቶን። ናብቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን። ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም። ንሳቶም ከኣ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካብ ደም፡ ወይ ካብ ፍቓድ ሥጋ፡ ወይ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ ዘይተወልዱ እዮም። እቲ ቓል ሥጋ ዀነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረ። ክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤና። ዮሓንስ ብዛዕባኡ መስከረ፡ እቲ ድሕረይ ዚመጽእ፡ ንሱ ቕድመይ ዝነበረ እዩ እሞ፡ ንሱ ቕድመይ ነበረ፡ እቲ ብዛዕባኡ ዝበልኩ ንሱ እዩ፡ ኢሉ ጨደረ። ሕጊ ብሙሴ ተውሂቡ እዩ እሞ፡ ጸጋን ሓቅን ግና ብኢየሱስ ክርስቶስ መጸ። እምብኣርከ ንሕና ዅላትና ኻብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና፡ 

 

ስብሓት ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ ይኹን: ኣሜን። እዚ ዝተነበበ ቃልካ ብሰላም ይፍጽመልና። 

 

ንሰግድ ለከ ክርስቶስ ምስለ ኣቡከ ኄር ሰማያዊ ወመንፈስከ ቅዱስ ማሕየዊ እስመ መጻእከ ወኣድኀንከነ ። 

(ኦ ክርስቶስ ኣምላኽና ምስ ኄር ኣቦኻን መንፈስ ቅዱስን፣ ሎምን ኵሉ ሳዕን ንሰግደልካ ኣሎና። ኣሜን። ) 

 
♱ ክፍልታት ጸሎት  

 1. ኦ ንዅሉ ሰብ እተብርህ ሓቀኛ ብርሃን ናብ ዓለም ዝመጻእካ። በቲ ኣብ ደቂ ሰብ ዘሎካ ፍቕርኻ ናብ ዓለም ኣቶካ። ኵሉ ፍጥረት’ውን ብምምጻእካ ተሓጎሰ። ንኣቦና ኣዳም ካብ ኃይልታት ጸልማት ኣድኃንካዮ። ንኣዴና ሄዋን’ውን ካብ ስቅያት ሞት ናጻ ኣውፃእካያ። መንፈስ ውልድነት’ውን ሃብካና። ስለዚ ከምዚ እናበልና ነመስግነካን ነኽብረካን ኣሎና። 

 

ስብሐት ለኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ። 

(ምስጋና ንአቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን)። 

 

 2. ኦ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽና ናይ ብሓቂ ብርሃን፣ ምእንቲ ብርሃናዊ ህዋሳትን ብርሃናዊ ሓሳባትን ኣባና ከንጸባርቕ፣ ጊዜ ወጋሕታ ብርሃንካ ናባና ፈኑ። ጸላም ስቅያት ኣይጋርደና ምእንቲ ብኣእምሮ ምስ ዳዊት “ኣብ ጊዜ ለይቲ ብዅሉ ቃላትካ ክዛረብሲ ኣዒንተይ ነቕሓ” እናበልና ከነመስግነካ። ከምቲ ዓቢይ ምሕረትካ ድምፅና ስማዕ። ኦ ጎይታናን ኣምላኽናን ብርኅራኄኻ ርድኣና። 

 

ይእዜኒ ወዘልፈኒ ወለዓለም ዓለም ኣሜን። ሃሌ ሉያ። 

(ሎምን ኵሉ ሳዕን ንዘለዓለም ዓለምን፡ ኣሜን። ሃሌ ሉያ።) 

 

 3. ኦ ካብ ምብራቕ ፀሓይ ክሳብ ምዕራብ ዝኸበርኪ፣ ኵሉ ፍጥረት’ውን ንዓኺ ምስጋና ዘቕርበልኪ፣ ኣደ ብርሃን፣ ካልአይቲ ሰማይ፣ ወላዲተ ኣምላኽ፣ ንስኺ ኢኺ። እታ ብርሃና ዘይቅየር ፀሓይ፣ ዘይትጽምሉ ዕንባባ ንስኺ ኢኺ። እታ ብድንግልናኣ እትነብር ኣደ ንስኺ ኢኺ። ስለዚ ኣቦ መረጸኪ፤ መንፈስ ቅዱስ ኣጽለለኪ፤ ወዲ ኸኣ ወሪዱ ካባኺ ተሠገወ። ነቲ ንሱ ዝፈጠሮ ዓለም ምእንቲ ኬድኅኖ፣ ካብ ፈተና’ውን ኬናግፎ ለምንዮ ኢኺ። ብሓድሽ ምስጋና ነመስግኖን ንባርኾን፤ ሎምን፣ ኵሉ ሳዕን ንዘለዓለምን። ኣሜን። 

 

ይእዜኒ ወዘልፈኒ ወለዓለም ዓለም ኣሜን። ሃሌ ሉያ። 

(ሎምን ኵሉ ሳዕን ንዘለዓለም ዓለምን፡ ኣሜን። ሃሌ ሉያ።) 

 

ውዳሴ መላእኽቲ 

ምስ መላእኽቲ ከምዚ እናበልና ነመስግን። ክብሪ ንእግዚኣብሔር ኣብ ሰማያት፣ ኣብ ምድሪ’ውን ሰላም፣ ኣብ ሰብ’ውን ሓጎስ ይኹን። ኦ ጎይታ! ንኹሉ እትመልኽ፣ እግዚኣብፍሔር ኣቦን፣ እቲ ሓደ በይኑ ወዱ ዝኾንካ ኢየሱስ ክርስቶስን፣ መንፈስ ቅዱስን፡፣ ኣብ ልዕሊ ሰማያት እትገዝእ፣ ነመስግነካን፣ ንባርኸካን፣ ነገልግለካን፣ንሰግደልካን፣ ንእመነልካን፣ ብግሩምነትካ’ውን ንዛረበልካን። ስለቲ ዕብየትካን ልዕልነትካን ነመስግነካ ኣሎና። ኦ ጎይታናን ኣምላኽናን ገንሸል ኣምላኽ፣ ነቦ ሓደ ወዱ፡ ሓጢኣት ዓለም እትጸውር መሓረና። ንስኻ ንበይንኻ ቅዱስን ልዕሊ ኩሉን ኢኻ። ኵሉ መዓልቲ እባርኸካ ኣሎኹ። ነቲ ቅዱስ ስምካ’ውን ንዘለዓለም እውድሶ፣ ኣሜን። ኦ ኣምላኸይ፣ ኣብ ምድሪ ሕግታትካ ብርሃነይ ስለ ዝኾነ፣ ካብ ለይቲ ኣትኂዛ መንፈሰይ ናባኻ ተንግህ። መድኃንየይ ስለ ዝኾንካ ንመገድኻ እኽተሎ ኣሎኹ። ኦ ጎይታይ ኣንጊህካ ንድምፀይ ትሰምዖ፣ ኣንጊሀ ድማ ኣብ ቅድሜኻ እቐውም፣ ንስኻውን ትርእየኒ። 

 

ውዳሴ ሥሉስ ቅዱስ 

ቅዱስ እግዚኣብሔር ቅዱስ ኃያል ቅዱስ ሕያው ዘኢይመውት፤ ካብ ቅድስት ድንግል ዝተወልደ መሓረና። ቅዱስ እግዚኣብሔር ቅዱስ ኃያል ቅዱስ ሕያው ዘኢይመውት፤ ኣብ ዮርዳኖስ ዝተጠምቀ፣ ኣብ ልዕሊ ዕፀ መስቀል ምእንታና ዝተሰቕለ መሓረና። ቅዱስ እግዚኣብሔር ቅዱስ ኃያል ቅዱስ ሕያው ዘኢይመውት፤ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ካብ ምዉታት ዝተንሥአ፡ ብምስጋና (ብኽብሪ) ናብ ሰማያት ዝዓረገ፣ ኣብ የማን ኣቦኡ ዝተቐመጠ፣ ኣብ ሕያዋንን ምዉታንን ኪፈርድ ከምብሓድሽ ኪመጽእ እዩ። ኦ ጎይታ መሓረና። 

ምስጋና ንኣቦን ንወልድን ንመንፈስ ቅዱስን ሎምን ኵሉ ሳዕን ንዘለዓለም ዓለም። ኣሜን። 

 

ኦ ሥሉስ ቅዱስ መሓረና (3 ጊዜ)። 

ኦ ጎይታ ኃጢኣትና ሕደገልና። ኦ ጎይታ በደልና ኣይትጸብጽበልና። ኦ ጎይታ ኣበሳና ይቕረ በለልና። ኦ ጎይታ ንሕሙማት ሕዝብኻ ብጽሓዮም እሞ፣ ምእንቲ እቲ ቅዱስ ስምካ ኢልካ ፈውሶም። ኦ ጎይታ ነቶም ዝዓረፉ ኣቦታትናን ኣሕዋትናን ከኣ ነፍሶም ኣዕርፍ። ኦ ካብ ኃጢኣት ንጹሕ ዝኾንካ ጎይታ ርድኣና። ልማኖና ኸኣ ተቐበለልና። ክብርን ምስጋናን ብፍጹም መዓርግ ቅድስናን ንዓኻ ይግባእ። ኣሜን። 

ኦ ጎይታ መሓረና፣ ኦ ጎይታ መሓረና፣ ኦ ጎይታ ባርኸና። ኣሜን። 

ከምዚ እናበልና ክነመስግነካ ብቑዓት ግበረና፣ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና…።  

ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና ስምካ ይቀደስመንግሥትኻ ትምጻእፍቓድካ ከምቲ ኣብ ሰማያት ከምኡውን ኣብ ምድሪ ይኹንናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበናንሕና ንዝበደሉና በደሎም ከምዝኃደግናሎም በደልና ኅደገልናካብ ክፉእ ኣድኅነና እምበር ኣብ ፈተና ኣይተእትወናመንግሥትን ኃይልን ክብርን ንዘለዓለም ናትካ እዩ እሞ ኣሜን  

 

ጸሎተ እግዝእትነ ማርያም 

ነፍሰይ ንእግዚኣብሕኤር ተዕብዮ፡ መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኸይ ባህ ይብላ፡ ውርደት ባርያኡ ርእዩ እዩ’ሞ፡ እንሆ ካብ ሕጂ ዅሎም ወለዶ ብፅዕቲ ኪብሉኒ እዮም። 

እቲ ዅሉ ዚኽእል ዓበይቲ ነገራት ገይሩለይ እዩ’ሞ፡ ስሙ ቅዱስ እዩ፡ ምሕረቱ’ውን ኣብቶም ዚፈርህዎ ንውሉድ ወለዶ እዩ። ብቕልፅሙ ኃይሊ ገበረ። ንዕቡያት ሓሳባት ልቦም በተነሎም። ንኃያላት ካብ ዙፋውንቶም ኣውረዶም። ንዝተዋረዱ ከኣ ልዕል ኣበሎም። ንጥሙያት ካብ በረኸቱ ኣጽገቦም። ንሃብታማት ከኣ ጥራሕ ኢዶም ሰደዶም። ከምቲ ነቦታትና ንኣብርሃምን ንዘርኡን ዝነገሮም፡ ንዘለዓለም ምሕረቱ እናዘከረ ንእስራኤል ባርያኡ ተቐበሎ (ሉቃስ 1፡46-55) 

 

ንኣብ ንወልድ ንመንፈስ ቅዱስ ንዘለዓለም ይኹን።  

 

ሰላምታ ንቅድስት ድንግል ማርያም 

ኦ ቅድስቲ ምልእተ ጸጋ፣ ኵሉ ጊዜ ድንግል ዝኾንኪ ወላዲት ኣምላኽ፣ ኣደ ክርስቶስ፣ ሰላም ንብለኪ። ምእንቲ ኃጢኣትና ኪኃድገልና፣ ናብ ፍቑር ወድኺ ጸሎትና ኣዕርግልና። 

ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽና ዝወለድክልና ቅድስት ድንግል፣ ሰላም ንብለኪ። ንኃጢኣት ነፍስና ሓዲጉ ክምሕረና ናብ ጎይታ ለምንልና።  

ኦ ቅድስቲ ድንግል ማርያም፣ ወላዲት ኣምላኽ፣ ንዘርኢ ሰብ እምንቲ ኣማላዲት፣ ናብ ወድኺ ኢየሱስ ክርስቶስ ብኅድገት ኃጢኣትና ክጽግወና ለምንልና። 

ኦ ናይ ሓቂ ንግሥቲ ድንግል፣ ሰላም ንብለኪ። ኦ ንኣማኑኤል ኣምላኽና ዝወለድክልና፣ ኵርዓት ዘርእና፣ ሰላምታ ነቕርበልኪ። 

ኦ ድንግል ብጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተኣመነት ኣማላዲት፣ ኃጢኣትና ምእንቲ ኪኃድገልና ተዘከርና። 

 

መእተዊ ጸሎተ ሃይማኖት 

ኦ ኣደ ሓቀኛ ብርሃን ነኽብረኪ። ኦ ቅድስቲ ድንግል ወላዲተ ኣምላኽ፣ መድኅን ዓለም ስለ ዝወለድክልናን፣ መጺኡ ኸኣ ንነፍስና ስለ ዘድኃነናን ነመስግነኪ። ኦ ጎይታናን ንጉሥናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ክብሪ ንዓኻ ይኹን። ንስኻ ንሃዋርያት ሞገሶም፤ ንሰማዕታት ኣኽሊሎም፤ ንጻድቃን ዕልልታኦም፤ ንቤተ ክርስትያን ጽንዓት፤ ንኃጥኣን ሕድገት። ብሓደ ዝመለኮቱ ሥሉስ ቅዱስ ነበሥር፣ ንሰግደሉን ነኽብሮን። ኦ ጎይታ መሓረና። ኦ ጎይታ መሓረና። ኦ ጎይታ ባርኸና። ኣሜን። 

 

ጸሎተ ሃይማኖት 

ኵሉ ብዝሓዘ፣ ሰማይን ምድርን፣ ዚርአን ዘይርአን ብዝፈጠረ ብሓደ ኣምላኽ ብእግዚኣብሔር ኣብ ንኣምን። 

ብሓደ ጎይታ ብኢየሱስ ክርስቶስ፣ ዓለም ከይተፈጥረ ምስኡ ህልው ብዝኾነ ወልድ ኣብ ዋሕድ’ውን ንኣምን። ካብ ብርሃን ዝተረኽበ ብርሃን፣ ካብ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝተረኽበ ሓቀኛ ኣምላኽ፣ ዝተወልደ እምበር ፍጡር ዘይኮነ፣ ብመለኮቱ ምስ ኣብ ማዕረ ዝኾነ፣ ኵሉ ብኡኡ ዝተፈጥረ፣ ብዘይካኡ ግና ኣብዚ ምድሪ ዘሎ ይኹን፣ ወይስ ኣብ ሰማይ ዘሎ፣ ምንም ዝተፈጥረ የልቦን። 

ምእንታና ምእንቲ ሰብ፣ ምእንቲ ምድኃንና ካብ ሰማያት ዝወረደ፣ ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ ለበሰ፤ ሰብ ኮነ። 

ሰብ ኮይኑ ድማ ብዘመን ጴንጤናዊ ጲላጦስ ምእንታና ተሰቕለ፤ መከራ መስቀል ተቐበለ፤ ሞተ፤ ተቐብረ፤ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከም ዝተጻሕፈ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ካብ ምዉታት ተፈልዩ ተንሥአ። ብኽብሪ ናብ ሰማይ ዓረገ። ኣብ የማን ኣቦኡ ተቐመጠ። ከም ብሃድሽ ንሕያዋንን ምዉታንን ኪፈርድ ብኽብሪ ኪመጽእ እዩ፤ ንመንግሥቱ’ውን መወዳእታ የብሉን። 

ጎይታን መሕወዪን ብዝኾነ ካብ ኣብ ብዝሠረፀ መንፈስ ቅዱስ ንኣምን። ምስ ኣብን ወልድን ንሰግደሉን ነመስግኖን፣ ብነብያት ዝተናገረ እዩ። 

ልዕሊ ዅሉ ናይ ሐዋርያት ጉባኤ ብዝኾነት ብሓንቲ ቅድስት ቤተ ክርስትያን ንኣምን። ኃጢኣት ንምስትስራይ ብሓንቲ ጥምቀት’ውን ነኣምን። ትንሣኤ ምዉታን፣ ንዘለዓለመ ዓለም ዚመጽእ ሕይወትውን ተስፋ ንገብር። 

 

ኦ ጎይታ ጸሎትና ሰሚዕካ ኃጢኣትና ኅደገልና።  

41 ጊዜ ‘ኪርያላይሶን’ በል። 

 

ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ 

ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚኣብሔር ጎይታ ሠራዊት፣ ሰማይን ምድርን ብክብርኻን ብልግስኻን ምሉኣት እየን። ኦ ንኹሉ እትመልኽ እግዚኣብሔር ኣቦ መሓረና። ኦ ጎይታ ሠራዊት፣ ኣምላኽ ኃይልታት ምሳና ኹን። ምኽንያቱ ኣብ ጊዜ ሽግርናን ጭንቀትናን ብዘይካኻ ረዳኢ የብልናን። ኦ ኣምላኽ ኣባና ኅደር። ንበደልና ይቕረታን ምሕረትን ግበረልና። እቲ ብድልየትናን ብዘይድልየትናን ዝገበርናዮ፣ እቲ ብፍላጥን ብዘይፍላጥን ዝሠራሕናዮ፣ ስዉርን ግሁድን ዝኾነ ኃጢኣትና ምእንቲ እቲ ኣብ ልዕሌና ዝስመ ቅዱስ ስምካ ኢልካ ኦ ጎይታ ይቕረ በለልና።

ኦ ጎይታ ከም ምሕረትካ ደኣ እምበር ከም ብዝሒ ኃጢኣትና ኣይኹን። 

በከመ ምሕረትከ ኣምላክነ ወኣኮ በከመ በሳነ።

 

ብቑዓት ግበረና ብምስጋና ከምዚ ኢልና ክንጽሊ፡-  

ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና ገጽ 14 

ናይ ምምላድ ጸሎት ገጽ 178 

 

ቀዳማይ ጸሎተ ንስሓ (ሥርየት) 

ኦ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኃይልታት፡ ቅድሚ ኵሉ እዋን ዝነበርካ፣ ንዘለዓለም’ውን ህልው ዝኾንካ፣ ፀሓይ ብመዓልቲ ከብርህ፣ ጸልማት ከኣ ንዕረፍቲ ደቂ ሰባት ዝፈጠርካ፤ ኦ ንጉሥ ዘለዓለም፣ ነዛ ለይቲ እዚኣ ብሰላም ኣኅዲርካ ናብዛ ምጀመርታ መዓልቲ ስለ ዘእተኻና ነመስግነካ ኣሎና። ኦ ንጉሥናን ንጉሥ ዘለዓለምን፣ ብርሃን ገጽካ ከተንጸብርቐልና፣ኣምላኻዊ ብርሃን ፍልጠትካ’ውን ከብርሃልና ንልምነካ። ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ክንከውን ኣብቅዓና። ኦ ጎይታና፣ ምእንቲ እዛ መዓልቲ እዚኣ ብቅድስናን ንጽህናን፡ ብሠናይ ምዕዶን ክንኃልፋ፣ ነቲ ዝተረፈ ሕይወትና’ውን ብዘይዕንቅፋት ክንፍጽሞ ሓግዘና። ምስ ርኅሩኅን መፍቀር ሰብን ዝኾነ ሓደ ወድኻ ኢየሱስ ክርስቶስን፣ ወሃቢ ጸጋ መንፈስ ቅዱስን፣ ክብርን ምስጋናን ውዳሴን ኣምልኾን ሎምን ኵሉ ሳዕን ንዘለዓለም ንዓኻ ይኹን። ኣሜን። 

 

ካልኣይ ጸሎተ ንስሓ (ሥርየት) 

ኦ ንብርሃን እትልእኾ’ሞ ዝፍኖ፤ ንፀሓይ ኣብ ልዕሊ ኃጥኣንን ጻድቃንን እተብርቕ ጎይታ ኵሉ ዓለም ከብርህ ዝገበርካ፣ ልብናን ኣዕምሮናን ምስትውዓልናን ኣብርህ። ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ደስ ከነብለካ (ክነሐጕሰካ) ዓድለና። ብጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ኵሉ ክፉእ ነገር ዘበለ ሓልወና። ካብ ኵሉ ኃጢኣትን ካብ ኵሉ ተጻራሪ ኃይልን ኣድሕነና። ምስ ርኅሩኅን መፍቀር ሰብን ዝኾነ ሓደ ወድኻ ኢየሱስ ክርስቶስትን፣ ወሃብ ሕይወት መንፈስ ቅዱስን፣ ክብርን ምስጋናን ውዳሴን ኣምልኾን ሎምን ኵሉ ሳዕን ንዘለዓለም ንዓኻ ይኹን። ኣሜን። 

 

መዛዘሚ ጸሎት ነፍሲ ወከፍ ሰዓት  

ኦ ጎይታ መሓረና፣ ምሕረትካ’ውን ኣብዝኃልና። ኦ ኣብ ነፍስ ወከፍ ሰዓትን ጊዜን፣ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ብኽብረት ዝሰግደልካ ክርስቶስ፣ እሙን ኣምላኽና፣ በዓል ነዊሕ ትዕግስትን ብዙኅ ምሕረትን፣ ብሠናያት ዝተመላእካን ርኅሩኅን፣ ነቶም ኣነ ዝቐደማዮም ኃጢኣተኛታት’ውን እትምሕር፣ ንኃጥእ ብንስሓ ተመሊሱ ብሕይወት ክነብር እምበር ሞቱ ዘይትደሊ፣ ምእንቲ እቲ ዝጽበዮም ዘሎ ተስፋ ክረኽቡ ንዅሎም ናብ ድኅነት እትዕድም፣ ኦ ጎይታ ኣብዛ ሰዓት እዚኣን ኣብ ኵሉ ሰዓታትን ልመናና ተቐበል። ሕይወትና ኣቃንዓልና፤ ትእዛዛትካ ክንገብር ምርሓና፤ መንፈስና ቅድስ፤ ሥጋናን ሓሳባትናን ኣንጽሕ፤ ትምኒትና’ውን ሥመር፤ ሕማምና ፈውስ፤ ኃጢኣትና ሕደገልና፤ ካብ ኩሉ ሓዘንን ስቅያት ልብን ርድኣና። ብህልውንኦም ክንዕቆብ፣ ብቅዱሳት መላእኽትኻ ሓልወና፤ ናብ ውህደት እምነት ከነምርሕ ምእንቲ፣ ናብቲ ዘይምርመርን ዘይውሰንን ፍልጠትካ ክንበጽሕ ዓድለና። ንስኻ ንዘለዓለም ብሩኽ ኢኻ። ኣሜን። 

ኦ ጎይታ፣ ክቡር ምስጉን ወድኻ፣ ንስኻትኩምሲ ክትጽልዩ ከሎኹም ከምዚ በሉ እናበለ ከም ዝመሃረና ከምዚ ኢልና ክንጽውዓካ ብቑዓት ግበረና። 

ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና....  

 

Holy Trinity Eritrean Orthodox Church in Cincinnati, Ohio
ቅድስት ሥላሴ ኦርቶዶክስ ተዋኅዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣብ ሲንሲናቲ ኦሃዮ