ጸሎት ሻድሸይቲ ሰዓት
/ Prayer Book of the Hours / Tigrinya (ትግርኛ) / ጸሎት ሻድሸይቲ ሰዓት
ጸሎተ ቀትር

 

 

መእተዊ ነፍሲ ወከፍ ጸሎት ሰዓታት 

ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ፡ ኣሜን። 

ኦ ጎይታ መሓረና፡ ኦ ጎይታ መሓረና፡ ኦ ጎይታ ባርኸና፡ ኣሜን። 

ክብሪ ንኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ሎምን ኵሉ ሳዕን ንዘለዓለምን ኣሜን። 

 

ነአኵተከ እግዚኦ (ነመስግነካ ጎይታ) 

ኦ ጎይታ፡ ነመስግነካን ነኽብረካን ኣሎና። ኦ ጎይታ፡ ኣሚንና ንግዝኣካ ኣሎና። ንቅዱስ ስምካ ንግዛእ ኣሎና። ኵሉ ብርኪ ዝሰግደልካ፤ ኵሉ ልሳን ዝግዝኣልካ ጎይታ ንሰግደልካ ኣሎና። ናይ ኣማልኽቲ ኣምላኽ፤ ናይ ጎይቶት ጎይታ፤ ናይ ነገሥታት ንጉሥ ንስኻ ኢኻ። ክቡር ምስጉን ወድኻ፡ ንስኻትኩምሲ ክትጽልዩ ከሎኹም ከምዚ በሉ እናበለ ከም ዝመሃረና ከምዚ ኢልና ክንጽውዓካ ብቑዓት ግበረና። 

 

ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና… 

ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና ስምካ ይቀደስ፡ መንግሥትኻ ትምጻእ፡ ፍቓድካ ከምቲ ኣብ ሰማያት ከምኡውን ኣብ ምድሪ ይኹን። ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና። ንሕና ንዝበደሉና በደሎም ከምዝኃደግናሎም በደልና ኅደገልና። ካብ ክፉእ ኣድኅነና እምበር ኣብ ፈተና ኣይተእትወና፡ መንግሥትን ኃይልን ክብርን ንዘለዓለም ናትካ እዩ እሞ ኣሜን። 

 

በሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ… 

ኦ እግዝእትየ ማርያም ብናይ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ሰላምታ ሰላም እብለኪ። ብሕሊናኺ ድንግል ኢኺ፣ ብሥጋኺ’ውን ድንግል ኢኺ። ኣደ እግዚኣብሔር ፀባኦት (ጎይታ ሠራዊት) ሰላም እብለኪ ኣሎኹ። ንስኺ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፣ ፍረ ከርሥኽ’ውን ብሩኽ እዩ። ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚኣብሔር ምሳኺ እዩ፣ ኦ ፍሥሕቲ ደስ ይበልኪ፣ኃጢኣትና ኪሠርየልና ናብ ፍቁር ወድኺ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ምሕረት ለምንልና። 

 

ናይ ምስጋና ጸሎት 

ሠናይ ነገር ንዝገበረልና ይቕረ በሃሊ እግዚኣብሔር፡ ኣቦኡ ንጎይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነመስግኖ ኣሎና። ሰቲሩናን ረዲኡናን እዩ፤ ሓሊዉናን ዓቕሪቡናን ተቐቢሉናን እዩ።ተማዕቍቡናን ኣጽኒዑናን፣ ራኅሪኁልናን ደጊፉናን ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣ’ውን ኣብጺሑና እዩ እሞ ነመስግኖ ኣሎና። ሕጂውን በዛ ቅድስቲ ዕለት እዚኣን ብኹሉ ዘመን ሕይወትናን ብፍጹም ሰላም ኪሕልወና ኵሉ ንዚኅዝ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ንለምኖ። 

ኦ ጎይታና እግዚኣብሔር፣ ኵሉ እትኅዝ ኣቦኡ ንጎይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ልዕሊ ኵሉ ኩነታትን፣ ምእንቲ ኵሉ ኩነታትን፣ ኣብ ውሽጢ ኵሉ ኩነታትን ነመስግነካ አሎና። ስለ ዝሰተርካናን ዝረዳእካናን ዝሓሎኻናን፣ ናባኻ’ውን ስለ ዘቕረብካናን ዝተቐበልካናን፣ ስለ ዘዕቆብካናን ዝራኅራኅካልናን ዝደገፍካናን፣ ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣ’ውን ስለ ዘብጻሕካናን ነመስግነካ ኣሎና። 

ኦ መፍቀር-ሰብ፣ ነዛ ቅድስቲ ዕለት እዚኣን፣ ኵሉ ዘመን ህይወትናን፣ ንዓኻ ብምፍራህ ብፍጹም ሰላም ክንፍጽሞ ካብቲ ሠናያትካ ንኽትህበና ንሓትትን ንልምንን ኣሎና። ኵሉ ቅንኣትን፣ ኵሉ ፈተናን፣ ኵሉ ግብር-ሰይጣንን፣ ምኽሪ ክፉኣት ሰባትን፣ ኅቡእን ግሁድን ዝኾነ ምልዓል ጸላእን፣ ኦ ጎይታ ካባይ ኣርሕቕ፤ ካብ ኵሉ ህዝብኻ’ውን ኣርሕቕ፤ ካብዚ ቅዱስ ቦታኻ እዚ’ውን ኣርሕቕ። 

ኵሉ ሠናያትን ዘድሊ ነገርን ዓድለና። ምኽንያቱ ንስኻ ኢኻ ተመንን ዕንቅርቢትን ኵሉ ኃይሊ ጸላእን ክንረግጽ ሥልጣን ዝሃብካና። ካብ ኵሉ ክፉእ ኣድኅነናን ባልኃናን እምበር፡ ናብ ፈተና ኣይተእትወና። በቲ ሓደ ወድኻን ጎይታናን ኣምላኽናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ምእንቲ ፍቕሪ ሰብ ኢሉ ብዝገበሮ ጸጋን ምሕረትን ይቕሬታን፣ ምሳኻ ማዕረ ምስ ዝኾነ ወሃቢ ሕይወት መንፈስ ቅዱስን፣ ክብርን ግርማን ውዳሴን ኣምልኾን ብኅብረት ምስኡ ናትካ እዩ። ሎምን ኵሉ ሳዕን ንዘለዓለም ዓለም አሜን። 

 

ናይ ንስሓ መዝሙር 51 

ኦ ኣምላኽ ከምቲ ዓቢይ ምሕረትካ ምሓረኒ፤ ከም ብዝሒ ርኅራኄኻ ኣበሳይ ደምስስ። ካብ ኣበሳይ ኣጸቢቕካ ሕጸበኒ፡ ካብ ሓጢኣተይ’ውን ኣንጽሓኒ። ኣነ ኣበሳይ ስለዝፈልጦ፡ ኃጢኣተይ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ እዩ። ንዓኻ ንበይንኻ ጥራይ በደልኩ፡ ኣብ ቅድሜኻውን እከይ ገበርኩ።ብቃላትካ ቅኑዕ ክትከውን፡ እንተ ፈረድካውን ክትመልኽ። እነሆ ብእከይ ተጠነስኩ፡ እኖይ ከኣ ብኃጢኣት ወለደትኒ። ንስኻ ኸኣ ንዝጋረድካዮን፡ ንስውር-ጥበብካን፡ ስለ ዝገለጽካለይ ንሓቂ ፈተኻ። ብስምዕዛ ትነጽገኒ እሞ እነጽህ፡ ትሓጽበኒ እሞ ካብ በረድ እጽዕዱ። ባህታን ሓጎስን ተስምዓኒ እሞ፡ እተን ዳርቁማት ኣዕጽምተይ ይሕጎሳ። ንገጽካ ካብ ኃጢኣተይ ኸውሎ። ንብዘሎ አበሳይ’ውን ደምስሶ። ኦ አምላኽ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ፣ ቅኑዕ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሓድስ። 

ካብ ቅድሚ ገጽካ ኣይትደርብየኒ፣ ቅዱስ መንፈስካ’ውን ኣይተግድፈኒ። ሓጎስ ምድኃንካ ሃበኒ፣ ብዝመርሓኒ መንፈስ’ውን ደግፈኒ፤ ሽዑ መገድኻ ንበደለኛታት ክምህሮምን እየ፣ እቶም ኃጥኣን ከኣ ናባኻ ክምለሱ እዮም። 

ኦ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ምድኃነይ፣ ካብ ዕዳ ደም ኣናግፈኒ፣ ልሳነይ’ውን ብጽድቅኻ ኽትሕጎስ እያ። ኦ ጎይታየ ኣፈይ ምስጋናኻ ኪነግርሲ፣ ከናፍረይ ክፈት። መሥዋእቲ ባህ ኣየብለካን እዩ፤ ንመሥዋእቲ ምሕራር’ውን ኣይትብህጎን ኢኻ። እትብህጎ እንተትኸውን ግና መቕረብኩልካ ነይረ። መሥዋእቲ እግዚኣብሔር ትሑት መንፈስ እዩ። ኣምላኽ ንትሑትን ለዋህን ልቢ ኣይንዕቆን እዩ። ኦ ጎይታ ንጽዮን ብሓጎስካ ሠናይ ግበረላ፤ መካበብያ ኢየሩሳሌም ይነደቓ። ሽዑ ብመሥዋእቲ ጽድቂ፣ ብዝሓርር መሥዋእትን ቁርባንን ባህ ኪብለካ እዩ፤ ኣብ መሠውኢኻ’ውን ኣራሑ ከቕርቡልካ እዮም። ሃሌ ሉያ። 

 

ጸሎተ ቀትር 

(ሰዓት 6፡00 ግእዝ (12፡00) ፍርቅ መዓልቲ) 

(ኣብዛ ሰዓት እዚኣ፣ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዱን እግሩን ተሸንኪሩ ዝተሰቕለላን ሓሞት ምስ ከርበን ዝጠዓመላን ሰዓት እያ። ከምኡ እውን እቲ ኣብ የማኑ ዝተሰቕለ ሰራቒ ኣብ መንግሥቱ ንኽዝክሮ ዝሓተተላን ትምኒት ልቡ ዝተዋህበትሉን እያ።) 

  

ኣብዛ ብርኽቲ መዓልቲ እዚኣ፣ ንክርስቶስ ንጉሠይን ኣምላኸይን ምስጋና ሻዱሸይቲ ሰዓት ኤቕርበሉ። ኃጢኣተይ ንኽሓድገለይ ከኣ እልምኖ። 

 

ካብ መዝሙር ዳዊት፡ ኣቦና፡ ነብይን ንጉሥን፡ በረኸቱ ምስ ኩላትና ይኹን፡ ኣሜን።  

 

መበል 54 መዝሙር  

ኦ ኣምላኽ፣ ብስምካ ኣድኅነኒ፣ ብሥልጣንካውን በይነለይ። ኦ ኣምላኽ፣ ጸሎተይ ስማዕ፣ ንቓላት ኣፈይ ጽን በሎ። ከመይሲ ጓኖት ተንሢኦምኒ፣ ዓመጽቲውን ንነፍሰይ ይደልይዋ ኣለዉ። ንኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ገጾም ኣይገበርዎን። እንሆ፣ ኣምላኽ ረዳእየይ እዩ፣ ጐይታይሲ ኣብ ማእከል እቶም ንነፍሰይ ዚድግፍዋ እዩ። ንእከይ ናብ ጸላእተይ ኪመልሶ እዩ፣ ብሓቅኻ ኣጥፍኣዮም። ፈትየ መስዋእቲ ከቕርበልካ፣ ጐይታየ፣ ስምካ ሠናይ እዩ እሞ፣ ከመስግኖ እየ። ንሱ ኻብ ኵሉ ጸበባ ኣውጺኡኒ እዩ እሞ፣ ዓይነይ ንጸላእተይ ባህ ኢልዋ ረአየቶም። ሃሌ ሉያ። 

መበል 57 መዝሙር 

ኦ ኣምላኽ፣ መሓረኒ፣ ነፍሰይ ኣባኻ ተዕቊብ ኣላ እሞ፣ መሓረኒ፣ እቲ መዓት ክሳዕ ዚሓልፍ፣ ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ ተጸጊዐ እኔኹ። ናብ ልዑል ኣምላኽ፣ ናብቲ ዚፍጽመለይ ኣምላኽ ኤእዊ ኣሎኹ። ንሱ፣ እቲ ወሓጥየይ ኪጸርፈኒ ኸሎ፣ ካብ ሰማይ ልኢኹ ኼድኅነኒ እዩ፣ ጸጋኡን ሓቁን ኪልእኽ እዩ። ነፍሰይ ኣብ ማእከል ኣናብስ እያ፣ ኣብ ማእከል እቶም ሓዊ ዚተፍኡ፣ ኣብ ማእከል እቶም ኣስናኖም ኵናትን ፍላጻን፣ መላሕሶም ከኣ ስሑል ሰይፊ ዝዀነ ሰባት እድቅስ ኣሎኹ። ዎ ኣምላኽ፣ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በል፣ ክብርኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ይኹን። ንስጕምተይ መጻወድያ ኣጻውዱለይ፣ ነፍሰይ ጐበጠት፣ ኣብ ቅድመይ ጕድጓድ ኰዓቱ፣ ኣብኡውን ወደቑ። ልበይ ኣንቂዱ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ልበይ ኣንቂዱ፣ ክዝምርን ከመስግንን፣ እየ። ክብረየ፣ ንቕሒ፣ በገናን መሰንቆን ንቕሑ፣ ንወጋሕታ ኸንቅሓ እየ። ጐይታየ፣ ኣብ ማእከል ኣሕዛብ ከመስግነካ፣ ኣብ ማእከል ሕዝብታት ክዝምረልካ እየ። ሳህልኻ ኽሳዕ ሰማያት ዓብዪ፣ ሓቅኻውን ክሳዕ ደበናታት እዩ እሞ፣ ኦ ኣምላኽ፣ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በል፣ ክብርኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ይኹን። ሃሌ ሉያ። 

መበል 61 መዝሙር 

 ኦ ኣምላኽ፣ ኣውያተይ ስማዕ፣ ናብ ጸሎተይ ኣቕልብ። ንስኻ መዕቈብየይ፣ ካብ ገጽ ጸላኢ ጽኑዕ ግምቢ ኢኻ እሞ፣ ልበይ እንተ ተሓለለ፣ ካብ ወሰን ምድሪ ኣባኻ ኸእዊ እየ። ናብቲ ኻባይ ልዕል ዝበለ ኸውሒ ምርሓኒ። ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻ መብጽዓይ ሰሚዕካ፣ ስምካ ንዚፈርሁ ርስቲ ትህቦም ኣሎኻ እሞ፣ ኣብ ድንኳንካ ንሓዋሩ ኽነብር እየ፣ ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ እዕቈብ ኣሎኹ። ዕድመ ንጉሥ ተንውሕ፣ ዓመታቱ ኻብ ወለዶ ንወለዶ ይነብር። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንሓዋሩ ይነብር፣ ምሕረትን እምነትን ኪሕልዋኦ ኣዳሎ። ንስምካ ንሓዋሩ ኽዝምረሉ፣ ከምዚ ገይረ ነንመዓልቲ መብጽዓይ ክፈዲ እየ። ሃሌ ሉያ። 

መበል 63 መዝሙር 

ኦ ኣምላኽ፣ ንስኻ ኢኻ ኣምላኸይ፣ ኣንጊሄ እደልየካ ኣሎኹ፣ ነፍሰይ ንኣኻ ትጸምእ ኣላ፣ ሥጋይ፣ ማይ ኣብ ዜብሉ ደረቕን ጽሙእን ምድሪ ዀይኑ፣ ይናፍቐካ አሎ። ከምኡውን ሥልጣንካን ክብርኻን ምእንቲ ኽርኢ፣ ናብ መቕደስካ ኤማዕዱ ኣሎኹ። ለውሃትካ ኻብ ሕይወት ይበልጽ እዩ እሞ፣ ከናፍረይ ኪውድሳኻ እየን። ብሕይወተይ ክሳዕ ዘሎኹ ኽባርኸካ፣ ብስምካ ነእዳወይ ከልዕለን እየ። ረዲኤተይ ንስኻ ኢኻ፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣኽናፍካ እሕጐስ ኣሎኹ እሞ፣ ኣብ ምድቃሰይ ክዝክረካ፣ ብለይቲ እናነቓሕኩ ክሓስበካ ከለኹ፣ ነፍሰይ ከም ብስብሕን ኣንጕዕን ትጸግብ፣ ኣፈይውን ብኸናፍር ዕልልታ ኼመስግነካ እዩ። ነፍሰይ ኣብ ድሕሬኻ ትጠብቕ፣ የማነይቲ ኢድካውን ትድግፈኒ ኣላ። እቶም ንሕይወተይ ኬጥፍእዋ ዚደልዩ ግና ናብ መዓሙቚ ምድሪ ኺወርዱ እዮም። ንሥልጣን ሰይፊ ኺውሃቡ፣ ግደ ወኻሩ ኪዀኑ እዮም። ንጉሥ ግና ብአምላኽ ኪሕጐስ፣ ኣፍ ሓሰውቲ ኺዕበስ እዩ እሞ፣ ነፍሲ ወከፍ ብእኡ ዚምሕል ዘበለ ኺሕበን እዩ። ሃሌ ሉያ። 

መበል 67 መዝሙር 

ኣምላኽ ይምሓረና፣ ይባርኸና፣ ገጹ የብርሃልና። መገድኻ ኣብ ምድሪ፣ ኣብ ኵሎም ኣሕዛብውን ምድኃንካ ኺፍለጥሲ፣ ገጽካ ኣብርሃልና። ዎ ኣምላኽ፣ ኣሕዛብ የመስግኑኻ፣ ኵሎም ኣሕዛብ የመስግኑኻ። ንሕዝብታት ብቕንዕና ኽትፈርዶም፣ ንኣሕዛብውን ኣብ ምድሪ ኽትመርሖም ኢኻ እሞ፣ ሕዝብታት ይተሓጎሱን ዕልል ይበሉን። ዎ ኣምላኽ፣ ኣሕዛብ የመስግኑኻ፣ ኵሎም ኣሕዛብ የመስግኑኻ፣ ምድሪ ፍሬኣ ሂባ፣ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ኺባርኸና እዩ። ኣምላኽ ይባርኸና፣ ብዘሎ ወሰናት ምድሪ ኸኣ ይፍርሃዮ። ሃሌ ሉያ። 

መበል 70 መዝሙር 

ኦ ኣምላኽ፣ ንምንጋፈይ፣ ኦ እግዚኣብሔር፣ ንምርድአይ ቀልጥፍ። እቶም ንነፍሰይ ዚደልይዋ ይሕፈሩን ይሕነኹን፣ እቶም ሕሰም ዚትምነዩለይ ንድሕሪት ይመለሱን ይነውሩን። ኣሰይ፣ ኣሰይ፣ ዚብሉኒ ነዊሮም ንድሕሪት ይመለሱ። እቶም ዚደልዩኻ ዅሎም ብአኻ ባህ ይበሎምን ይተሓጐሱን፣ እቶም ምድኃንካ ዚፈትዉ ኸኣ ኵሉ ጊዜ፣ ኣምላኽ ልዕል ይበል፣ ይበሉ። ኣነ ግና መስኪንን ድኻን እየ፣ ኦ ኣምላኽ፣ ናባይ ፍጠን፣ ኦ እግዚኣብሔር፣ ረዳእየይን መናገፍየይን ንስኻ ኢኻ፣ ኣይትደንጒ። ሃሌ ሉያ። 

መበል 84 መዝሙር 

ኦ ጐይታ ሠራዊት፣ ማኅደራትካ ኽንደይ ባህ ዜብላ እየን። ነፍሰይ ንኣጸድ እግዚኣብሔር ትናፍቖን ሃረር ትብሎን ኣላ፣ ነፍሰይን ሥጋይን ንሕያው ኣምላኽ ዕልል ይብላሉ። ዑፍ እኳ ቤት ረኸበት፣ ለዃዅቶውን ጨቓዊታ እተንብረላ ቤት ረኸበት፣ መሰውኢታትካ፣ ኦ ጐይታ ሠራዊት፣ ንጉሠይን ኣምላኸይን። ኣብ ቤትካ ዚነብሩ ብፁዓን እዮም፣ ኵሉ ጊዜ ይውድሱኻ። ሃሌ ሉያ። ኃይሎም ብኣኻ ዝዀነ፣ ብልቦም ንመገድኻ ዚሐስቡ ሰባት ብፁዓን እዮም። ብለሰ ብኽያት ኪሐልፉ ኸለዉ፣ ዓይኒ ማያት ይገብርዎ፣ ዝናም አዝመራውን ብበረኸት ይኸድኖ። ካብ ኃይሊ ናብ ኃይሊ ይኸዱ፣ ኣብ ጽዮን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቘሙ። ዎ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ሠራዊት፣ ጸሎተይ ስማዕ። ዎ አምላኽ ያዕቆብ፣ ጽን በል ኣታ ዋልታና ዝዀንካ ኣምላኽ፣ ርአ፣ ገጽ ቅቡእካውን ጠምት። ካብ ሽሕ መዓልቲ ኣብ ካልእ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ኣጸድካ ትሓይሽ እያ እሞ፣ ኣብ ድንኳን ረሲኣን ካብ ምንባርሲ ኣብ ቤት ኣምላኸይ ሓላው ደገ ምዃን ይሕሸኒ። እግዚኣብሔር ኣምላኽሲ ፀሓይን ዋልታን እዩ እሞ፣ እግዚኣብሔር ጸጋን ክብርን ይህብ፣ ነቶም ብቕንዕና ዚመላለሱ ሠናይ ዘበለ ኣይኸልኦምን እዩ። ኦ ጐይታ ሠራዊት፣ ኣባኻ ዚውከል ሰብ ብፁዕ እዩ። ሃሌ ሉያ። 

መበል 85 መዝሙር 

ኦ እግዚኣብሔር፣ ንምድርኻ ሞገስ ገበርካላ፣ ንቤት ያዕቆብ ካብ ምርኮ መለስካዮም። 

ኣበሳ ሕዝብኻ ኃደግካ፣ ንብዘሎ ሓጢኣቶም ከደንካ። ንዅሉ መዓትካ ኣርሓቕካዮ፣ ካብ ንደት ቊጥዓኻ ተመለስካ። ዎ ኣምላኽ ምድኃንና፣ ምለሰና፣ ንዅራኻውን ካባና አትርፎ። ንዘለዓለምዶ ኽትኵርየልና፧ ኵራኻስ ንውሉድ ወለዶዶ ኸተንውሕ ኢኻ፧ ሕዝብኻ ብኣኻ ኺሕጐስሲ፣ መሊስካዶ ሕይወት ኣይክትህበናን ኢኻ፧ ዎ እግዚኣብሔር፣ ጸጋኻ ኣርእየና፣ ምድኃንካውን ሃበና። ናብ ዕሽነት ደኣ ኣይመለሱ እምበር፣ ንሕዝቡን ቅዱሳኑን ሰላም ኪዛረቦም እዩ እሞ፣ ነቲ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ዚብሎ ኽሰምዕ እየ። ብሓቂ ኣብ ሃገርና ኽብሪ ኺኃድርሲ፣ ምድኃኑ ነቶም ዚፈርህዎ ቐረባኦም እዩ። ለውሃትን ሓቅን ተራኸባ፣ ጽድቅን ሰላምን ተሳዓዓማ። ሓቂ ኻብ ምድሪ ኽትበቊል፣ ጸድቂውን ካብ ሰማይ ክትጥምት እያ። እግዚኣብሔር ድማ ሠናይ ኪህበና እዩ፣ ሃገርናውን ፍርያታ ኽትህብ እያ። ጽድቂ ቐቅድሚኡ ኽትከይድ፣ ኣሰር-ኣሰሩ ኸኣ ክትስዕብ እያ። ሃሌ ሉያ። 

መበል 86 መዝሙር 

ኦ እግዚኣብሔር፣ መስኪንን ድኻን እየ እሞ፣ እዝንኻ ኣድንን፣ ምለሰለይውን። በኣኻ ዝእመን እየ እሞ፣ ንነፍሰይ ሓልዋ፣ ኣታ ኣምላኸየ፣ ነቲ ኣባኻ ዚውከል ባርያኻ ኣድኅኖ። ምሉእ መዓልቲ ናባኻ ኤእዊ ኣሎኹ እሞ፣ ጐይታየ መሓረኒ። ኦ እግዚኣብሔር፣ ነፍሰይ ናባኻ ኤልዕል ኣሎኹ እሞ፣ ንነፍሲ ባርያኻ ኣሐጕሳ። ኦ እግዚኣብሔር፣ ሕያዋይን ንይቕሬታ ድልውን ኢኻ፣ ናባኻ ንዜእውዩ ዅላቶም ከኣ ብዓል ዓብዪ ምሕረት ኢኻ እሞ፣ ጐይታየ፣ ጸሎተይ ስማዕ፣ ንድምጺ ምህለላይ ጽን በሎ። ንስኻ ኽትመልሰለይ ኢኻ እሞ፣ ብመዓልቲ ጸበባይ ክጽውዓካ እየ። ዎ እግዚኣብሔር፣ ካብ ኣማልኽቲ ዚመስለካ የልቦን፣ ከም ግብርታትካውን ከቶ የልቦን። ኦ እግዚኣብሔር፣ ዝፈጠርካዮም ኣሕዛብ ኵሎም መጺኦም ኣብ ቅድሜኻ ኺሰግዱ፣ ንስምካውን ኬኽብሩ እዮም። ንስኻ ዓብይን ተኣምራት እትገብርን ኢኻ እሞ፣ ኣምላኽሲ ንስኻ ጥራይ ኢኻ። ዎ እግዚኣብሔር፣ ብሓቅኻ ምእንቲ ኽመላለስ፣ መገድኻ መሃረኒ፣ ስምካ ኽፈርህሲ፣ ንልበይ ኣዳልዎ። ዎ እግዚኣብሔር ኣምላኸይ፣ ሳህልኻ ንኣይ ዓብዪ እዩ፣ ንነፍሰይውን ካብ መዓሙቚ ሲኦል ኣውጺእካያ ኢኻ እሞ፣ ብምሉእ ልበይ ከመስግነካ፣ ስምካውን ንዘለዓለም ከኽብር እየ። ኦ ኣምላኽ፣ ትዕቢተኛታት ተንሢኦምኒ፣ ኣኼባ ገፋዕቲ ኸኣ ንነፍሰይ ይደልይዋ ኣለዉ፣ ንኣኻውን ኣብ ቅድሚኦም ኣይገበሩኻን። ጐይታየ፣ ንስኻ ግና መሓርን ጸጋውን ዓቃልን፣ ብሳህልን ሓቅን ዓብዪ ኣምላኽ ኢኻ። ናባይ ግልጽ በል እሞ መሓረኒ፣ ንባርያኻ ኃይልኻ ሃቦ፣ ንወዲ እታ ባርያኻ ኣድኅኖ። ኦ እግዚኣብሔር፣ ረዲእካንን ኣጸናኒዕካንን ኢኻ እሞ፣ ጸላእተይ ርእዮም ኪሓፍሩስ፣ ምልክት ደሓን ግበረለይ። ሃሌ ሉያ። 

መበል 87 መዝሙር 

መሠረታ ኣብቶም ቅዱሳት ኣኽራን እያ፣ እግዚኣብሔር ካብ ኵሉ ማሕደራት ያዕቆብሲ ንደጌታት ጽዮን የፍቅር እዩ። ኣቲ ኸተማ ኣምላኽ፣ ብዛዕባኺ ኽቡር ነገር ተዘርበ። ካብተን ዚፈልጣኒ፣ ረሃብን ባቢሎንን እሰሚ ኣሎኹ፣ እንሆ፣ ፍልስጥኤምን ጢሮስን ምስ ኢትዮጵያ፣ እዚኣቶም ኣብኣ ተወሊዶም እዮም። ብዛዕባ ጽዮን ድማ፣ እዝን እትን ኣብኣ ተወሊዶም፣ ኪበሃል እዩ፣ እቲ ልዑልውን ባዕሉ ኼጽንዓ እዩ። እግዚኣብሔር ንኣሕዛብ ኪጽሕፎም ከሎ፣ እዚ ኣብኣ ተወሊዱ፣ ኢሉ ኪቘጽር እዩ። እናደረፉን እናሳዕስዑን፣ ኵለን ዓይኒ ማያተይ ኣባኻ እየን፣ ኪብሉ እዮም። ሃሌ ሉያ። 

መበል 91 መዝሙር 

ኣብ ጸግዒ እቲ ልዑል ዚኃድር፣ ኣብ ጽላል እቲ ዅሉ ዚኽእል ይነብር። ንእግዚኣብሔር፣ ጸግዐይን ዕርደይን ዝውከሎ ኣምላኸይን እዩ፣ እብሎ ኣሎኹ። ካብ መጻወድያ ሃዳናይ፣ ካብ ዜጥፍእ ፌራ ኼናግፈካ እዩ እሞ፣ ብግልግሌኡ ኼጐልብበካ፣ ኣብ ትሕቲ አኽናፉ ኸኣ መጸግዒ ኽትረክብ ኢኻ፣ ሓቁ ዋልታን ጸግዕን እዩ። ካብቲ ብለይቲ ዜሰምብድ፣ ካብቲ ብመዓልቲ ዚውርወር ፍላጻ፣ ካብቲ ብጸልማት ዚኸይድ ፌራ፣ ብቐትሪ ዜባድም ሕማም ኣይክትፈርህን ኢኻ። ኣብ ጥቓኻ ሽሕ፣ ኣብ የማንካውን እልፊ ኺወድቁ እዮም፣ ኣባኻ ግና ኣይኪበጽሕን እዩ። በዒንትኻ ጥራይ ክትጥምቶ፣ ረሲኣን ዚረኽብዎ መስጣውን ክትርኢ ኢኻ። ጐይታይ፣ ንስኻ መዕቈብየይ ኢኻ፣ ኢልካ ኢኻ እሞ፣ ንልዑልሲ መጸግዒኻ ስለ ዝገበርካዮ፣ እከይ ዘበለ ኣይኪረኽበካን፣ ስቓይውን ኣብ ድንኳንካ ኣይኪቐርብን እዩ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ኺሕልዉኻ፣ ንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ እሞ፣ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍሲ፣ ኣብ ልዕሊ ኣእዳዎም ኪጾሩኻ እዮም። ሃሌ ሉያ። 

ኣብ ልዕሊ ኣንበሳን ተመንን ክትከይድ፣ ሽደን አንበሳን ገበልን ክትረግጽ ኢኻ። ኣጥቢቑ ስለ ዘፍቀረኒ፣ ከናግፎ፣ ንስመይ ስለ ዝፈለጦ፣ ከልዕሎ እየ። ኪጽውዓኒ ኣነውን ክመልሰሉ፣ ብጸበባ ምስኡ ክኸውን፣ ከናግፎን ከኽብሮን እየ። ነዊሕ ዕድመ ኸጽግቦ፣ ምድኃነውይን ከርእዮ እየ። ሃሌ ሉያ። 

መበል 93 መዝሙር 

እግዚኣብሔር ነጊሡ፣ ግርማ ለቢሱ፣ እግዚኣብሔር ለቢሱ፣ ኃይሊ ተዓጢቑ ኣሎ፣ ዓለም ከይትናወጽሲ ኣጽኒዕዋ አሎ። ዝፋንካ ኻብ ጥንቲ ጽኑዕ እዩ፣ ንስኻ ኻብ ዘለዓለም ኢኻ። ጐይታየ፣ ወሓይዝ ኣልዓሉ፣ ወሓይዝ ድምጾም ኣልዓሉ፣ ወሓይዝ ህማሞም ኣልዓሉ። ካብ ድምጺ ብዙኅ ማያት፣ ካብ ሥልጡን ማዕበላት ባሕሪ፣ እግዚኣብሔር ኣብ ላዕሊ ይሥልጥን። ምስክራትካ ኣዝዩ እሙን እዩ፣ ጐይታየ፣ ንቤትካስ ንዘለዓለም ቅድስና ይግባእ። ሃሌ ሉያ። 

 

ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽ። እዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ካብ መምህርና ቅዱስ ማቴዎስ 

 

ወንጌል ማቴዎስ 5፡1-16 

ብዙኅ ህዝቢ ምስ ረኣየ፥ ናብ እምባ ደየበ። ምስ ተቐመጠ ኸኣ፥ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐረቡ።ከምዚ እናበለ ድማ ኪምህሮም ጀመረ፥ ብመንፈስ ድኻታት ዝኾኑ፥ መንግሥተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፥ ብፁዓን እዮም። ዚኃዝኑ፥ ምጽንናዕ ኪረኽቡ እዮም እሞ፥ ብፁዓን እዮም። ለዋሃት፥ ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፥ ብፁዓን እዮም። ንጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን፥ ኪጸግቡ እዮም እሞ፥ ብፁዓን እዮም። መሓርቲ፥ ምሕረት ኪረኽቡ እዮም እሞ ብፁዓን እዮም። ንጹሓት ልቢ፥ ንኣምላኽ ኪርእይዎ እዮም እሞ፥ ብፁዓን እዮም። ገበርቲ ሰላም፥ ውሉድ ኣምላኽ ኪበሃሉ እዮም እሞ፥ ብፁዓን እዮም። ምእንቲ ጽድቂ ዝስደዱ፥ መንግሥተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፥ ብፁዓን እዮም። ምእንታይ እንተ ጸረፉኹምን፥ እንተ ሰጎጕኹምን፥ ኵሉ ኽፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩምን፥ ብፁዓን ኢኹም። ከምኡ ኸኣ ነቶም ቅድሜኹሙ ዝነበሩ ነቢያት ኣሳዲዶም እዮም እሞ፥ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙኅ ስለ ዝኾነ፥ ተሓጎሱ፥ ባህውን ይበልኩም። 

“ንስኻትኩም ንምድሪ ጨው ኢኹም፥ ጨው መቐረቱ እንተ ጠፍአኸ፥ ብምንታይ ይምቅር? ንደገ ተደርብዩ፥ ብሰብ ኪርገጽ እንተዘይኮይኑስ ዚጠቕሞ የብሉን። ንስኻትኩም ንዓለም ብርሃኑ ኢኹም፤ ኣብ እምባ ዘለ ኸተማ ኽትክወል ኣይከኣላን እዩ። መብራህቲ ኣብ ቤት ንዘሎ ዅሉ ምእንቲ ኬብርህ ኣብ በሪኽ መቐመጢኡ ተንብሮ እምበር ኣብ ትሕቲ ኸፈር ከተንብሮ ኣይተብርሆን ኢኻ። ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፥ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፥ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።” 

 

ምስጋና  ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ ይኹን: ኣሜን። እዚ ዝተነበበ ቃልካ ብሰላም  ይፈጽመልና። 

 

ንሰግድ ለከ ክርስቶስ ምስለ ኣቡከ ኄር ሰማያዊ ወመንፈስከ ቅዱስ ማሕየዊ እስመ መጻእከ ወኣድኀንከነ ። 

(ኦ ክርስቶስ ኣምላኽና ምስ ኄር ኣቦኻን መንፈስ ቅዱስን፣ ሎምን ኵሉ ሳዕን ንሰግደልካ ኣሎና። ኣሜን። ) 

 
♱ ክፍልታት ጸሎት  

 1. ኦ ኣብ ሻዱሸይቲ መዓልትን ኣብ ሻዱሸይቲ ሰዓትን ምእንቲ ኣቦና ኣዳም ኣብ ገነት ዝገበሮ ኃጢኣት ኣብ መስቀል ዝተሸንከርካ፣ ኦ ክርስቶስ ኣምላኽና፣ መእሠር ኃጢኣትና ብተኽ እሞ ኣድኅነና። ኣነ ናብ ኣምላኽ ኣእዌኹ እሞ ጎይታይ ከኣ ሰምዓኒ። ኣምላኸይ ጸሎተይ ስማዕ፤ ልመናይ ከኣ ኣይትንጸግ። ናባይ ግልጽ በል እሞ ምሸትን ንግሆን ቀትርን ስምዓኒ። እዛረብ እሞ ድምፀይ ከኣ ትሰምዖ፣ ንነፍሰይ ከኣ ብሰለም ተድኅና። 

 

ስብሐት ለኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ። 

(ምስጋና ንአቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን)። 

 

 2. ኦ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽና፣ ኣብ ሻዱሸይቲ ሰዓት ኣብ መስቀል ዝተሸንከርካ፣ ንኃጢኣት ከኣ ብዕፀ መስቀል ዝቐተልካ፣ ንምዉት ከኣ ብሞትካ ሕይወት ዝሃብካዮ፣ ንሱ ከኣ እቲ ብኣእዳውካ ዝፈጠርካዮ፣ እቲ ብሰንኪ ኃጢኣት ዝሞተ፣ ሰብ እዩ። ንኹሉ ስቅያትና በቲ ወሃብ ሕይወትን መጥዓይን ስቅያትካን፣ በተን ዝተሸንከርካየን መሳምርን ቅተሎ። ነዕምሮና ካብ ናብ ጥፍኣት ዘብጽሕ ግብረ-ሥጋን ዓለማዊ ህርፋንን ናብ ሰማያዊ ጥበብካ ክንዝክር ከምቲ ርኅራኄኻ ርድኣና። 

 

ይእዜኒ ወዘልፈኒ ወለዓለም ዓለም ኣሜን። ሃሌ ሉያ። 

(ሎምን ኵሉ ሳዕን ንዘለዓለም ዓለምን፡ ኣሜን። ሃሌ ሉያ።) 

 

 3. ብምኽንያት ብዝሒ ኃጢኣትናሲ ዋላ ሓንቲ ንኅድገት ዝኸውን ምኽንያት መርትዖ የብልናን። ኦ ድንግል ወላዲት ኣምላኽ፣ ንሕናሲ ብኣኺ ኣቢልና ናብቲ ካባኺ ዝተወልደ ንልምን ኣሎና። ምኽንያቱ ኣማላድነትኪ ኣብ ቅድሚ መድኃኒና ብዙኅን ቅቡልን እዩ። ኦ ንጽሕቲ ኣዴና፣ ናብቲ ካባኺ ዝተወልደ ስለ እቶም ኃጥኣን ምምላድ ኣይትኅደጊ። ምኽንያቱ ንዓና ኬድሕን ተሳቕዩ እዩ እሞ፣ እቲ ኬድሕነና ዝኽእል መሓሪ ንሱ እዩ። ኦ ኣምላኽ መድኃኒና፣ ብኣኻ ኣጸቢቕና ኣሚንና ስለዘሎና ርኅራኄኻ ቐልጢፋ ትደግፈና። ምእንቲ ክቡር ስምካ ኢልካ’ውን ደግፈና። ኦ ጎይታ፣ ምእንቲ ቅዱስ ስምካ ኢልካ’ውን ርድኣናን ኃጢኣትና ኅደገልናን። 

 

ይእዜኒ ወዘልፈኒ ወለዓለም ዓለም ኣሜን። ሃሌ ሉያ። 

(ሎምን ኵሉ ሳዕን ንዘለዓለም ዓለምን፡ ኣሜን። ሃሌ ሉያ።)

 

 4. ኦ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽና፣ እተን ንጹሓት ኣእዳውካ ኣብ ዕፀ መስቀል ምስ ዘርጋሕካየን ኣብ ማእከል ኵላ ምድሪ ድኅነት ገበርካ። ስለዚ ከኣ ኵሉ ሕዝቢ ብዓቢይ ድምፂ፡፣ ኦ ጎይታ ምስጋና ንዓኻ ይኹን፣ ይብሉ። 

 

ስብሐት ለኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ 

(ምስጋና ንአቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን)

 

 5. ኦ ክርስቶስ ኣምላኽና፣ ኅድገት ኃጢኣትና እናሓተትና ናብቲ ዘይበርስ ሥጋኻ ንሰግድ ኣሎና። ኦ መድኃኒ ዓለም፣ ነቶም ዝፈጠርካዮም ካብ ባርነት ጸላኢ ምእንቲ ናጻ ከተውፅኦም ብድልየትካ ኣብ መስቀል ንኽትስቀል ፈቐድካ። ኦ መድኃኒ፣ ክተድኅነና ምስ መጻእካ ንኹሉ ብሓጎስ ስለ ዝፈጸምካዮ፣ ብዓውታ፣ ኦ ጎይታ! ክብሪ ንዓኻ ይኹን ኢልና ነመስግነካ ኣሎና። 

 

ይእዜኒ ወዘልፈኒ ወለዓለም ዓለም ኣሜን። ሃሌ ሉያ። 

(ሎምን ኵሉ ሳዕን ንዘለዓለም ዓለምን፡ ኣሜን። ሃሌ ሉያ።)

 

 6. ኦ ድንግል ወላዲተ ኣምላኽ፣ ንስኺ ምልእተ ጸጋ ኢኺ። ብስቕለት ወድኺ ገሃነም እሳት ተሳዒሩ። ሞት ከኣ ኣቋሪጹ እዩ እሞ ነመስግነኪ ኣሎና። ምውታት ነበርና ተንሣእና። ጸጋ እቲ ቀዳማይ ገነት ረኺብና ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት በቓዕና። ምእንት’ዚ ነቲ ዘይመውት ኃያል ክርስቶስ ኣምላኽና ብምስጋና ነኽብሮ ኣሎና። 

 

ኦ ጎይታ ጸሎትና ሰሚዕካ ኃጢኣትና ኅደገልና።  

41 ጊዜ ‘ኪርያላይሶን’ በል። 

 

ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ 

ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚኣብሔር ጎይታ ሠራዊት፣ ሰማይን ምድርን ብክብርኻን ብልግስኻን ምሉኣት እየን። ኦ ንኹሉ እትመልኽ እግዚኣብሔር ኣቦ መሓረና። ኦ ጎይታ ሠራዊት፣ ኣምላኽ ኃይልታት ምሳና ኹን። ምኽንያቱ ኣብ ጊዜ ሽግርናን ጭንቀትናን ብዘይካኻ ረዳኢ የብልናን። ኦ ኣምላኽ ኣባና ኅደር። ንበደልና ይቕረታን ምሕረትን ግበረልና። እቲ ብድልየትናን ብዘይድልየትናን ዝገበርናዮ፣ እቲ ብፍላጥን ብዘይፍላጥን ዝሠራሕናዮ፣ ስዉርን ግሁድን ዝኾነ ኃጢኣትና ምእንቲ እቲ ኣብ ልዕሌና ዝስመ ቅዱስ ስምካ ኢልካ ኦ ጎይታ ይቕረ በለልና።

 

ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና… 

ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና ስምካ ይቀደስ፡ መንግሥትኻ ትምጻእ፡ ፍቓድካ ከምቲ ኣብ ሰማያት ከምኡውን ኣብ ምድሪ ይኹን። ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና። ንሕና ንዝበደሉና በደሎም ከምዝኃደግናሎም በደልና ኅደገልና። ካብ ክፉእ ኣድኅነና እምበር ኣብ ፈተና ኣይተእትወና፡ መንግሥትን ኃይልን ክብርን ንዘለዓለም ናትካ እዩ እሞ ኣሜን። 

ናይ ምምላድ ጸሎት ገጽ 178 

 

ናይ ንስሓ ጸሎት (ጸሎተ ሥርየት) 

ኦ ጎይታን ንኹሉ እትመልኽ ኣቦ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ጊዜ ስቅያት ሓደ ወድኻ፣ ጊዜ ምጽንናዕን ጸሎትን፣ ስለ ዝገበርካዮ ኵሉ ነመስግነካን ነኽብረካን ኣሎና። ልማኖና ተቐበል፤ ከምቲ ኣብዛ ቅድስቲ ሰዓት እዚኣ ብመስቀል እቲ ሓደ ወድኻ ጎይታናን መድኅን ነፍስናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዅሉ ኃይሊ ጸላኢ ዝቖረጽካዮን ዘፍረስካዮን፣ ከምኡ ድማ እቲ ኣብ ልዕሌና ዝተጻሕፈ ዓስቢ ኃጢኣትና ደምስሰልና። ኦ ኣምላኽ፣ እዋን ሓጎስን ክፉእ ዘይብሉ ህዱእ መገዲ ሕይወትን ሃበና። ነቲ ቅዱስ ስምካ ክንሰግደሉን ክነፍቅሮን ኣብ ቅድሚ እቲ ሓቀኛ ዘፍርህ መንበር ሓደ ወድኻ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቐውም። ኣብ ፍርዲ ከይወደቕና ምስ ኵሎም ቅዱሳንካ ነመስግነካ ኣሎና። ንዓኻ መጀመርታ ዘይብሉ ኣቦን፣ ማዕሬኻ ንዝኾነ ወድኻን፣ ሕይወት ንዝህብ መንፈስ ቅዱስን ነመስግን ኣሎና። ሎምን ኵሉ ሳዕን ንዘለዓለም ዓለም። ኣሜን። 

 

መዛዘሚ ጸሎት ነፍሲ ወከፍ ሰዓት  

ኦ ጎይታ መሓረና፣ ምሕረትካ’ውን ኣብዝኃልና። ኦ ኣብ ነፍስ ወከፍ ሰዓትን ጊዜን፣ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ብኽብረት ዝሰግደልካ ክርስቶስ፣ እሙን ኣምላኽና፣ በዓል ነዊሕ ትዕግስትን ብዙኅ ምሕረትን፣ ብሠናያት ዝተመላእካን ርኅሩኅን፣ ነቶም ኣነ ዝቐደማዮም ኃጢኣተኛታት’ውን እትምሕር፣ ንኃጥእ ብንስሓ ተመሊሱ ብሕይወት ክነብር እምበር ሞቱ ዘይትደሊ፣ ምእንቲ እቲ ዝጽበዮም ዘሎ ተስፋ ክረኽቡ ንዅሎም ናብ ድኅነት እትዕድም፣ ኦ ጎይታ ኣብዛ ሰዓት እዚኣን ኣብ ኵሉ ሰዓታትን ልመናና ተቐበል። ሕይወትና ኣቃንዓልና፤ ትእዛዛትካ ክንገብር ምርሓና፤ መንፈስና ቅድስ፤ ሥጋናን ሓሳባትናን ኣንጽሕ፤ ትምኒትና’ውን ሥመር፤ ሕማምና ፈውስ፤ ኃጢኣትና ሕደገልና፤ ካብ ኩሉ ሓዘንን ስቅያት ልብን ርድኣና። ብህልውንኦም ክንዕቆብ፣ ብቅዱሳት መላእኽትኻ ሓልወና፤ ናብ ውህደት እምነት ከነምርሕ ምእንቲ፣ ናብቲ ዘይምርመርን ዘይውሰንን ፍልጠትካ ክንበጽሕ ዓድለና። ንስኻ ንዘለዓለም ብሩኽ ኢኻ። ኣሜን። 

ኦ ጎይታ፣ ክቡር ምስጉን ወድኻ፣ ንስኻትኩምሲ ክትጽልዩ ከሎኹም ከምዚ በሉ እናበለ ከም ዝመሃረና ከምዚ ኢልና ክንጽውዓካ ብቑዓት ግበረና። 

ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና....  

 

Holy Trinity Eritrean Orthodox Church in Cincinnati, Ohio
ቅድስት ሥላሴ ኦርቶዶክስ ተዋኅዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣብ ሲንሲናቲ ኦሃዮ